ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ደርቂ ልዕሊ 40 ሽሕ ጥሪት ሞይተን

Radio Erena: 16 February 2017

Somali Region

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ድማ ክልል ሶማል ተኸሲቱ ብዘሎ ደርቂ ኣብ ክልተ ዞባታት ጥራይ 40 ሽሕ እንስሳ ዘቤት ከምዝሞቱ፣ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ ንጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብምውካስ ብዘቕረበቶ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ ክልል ሶማል ዞባታት ዳዋን በሊበን 40,861 እንስሳ ዘቤት ከምዝሞታ ተመዝጊበን።

እተን 29,955 ጤለ በጊዕ ክኾና እንከለዋ፣ እተን ዝተረፋ ድማ ከም ኣድጊ፣ ገመልን ዘጠቓለላ እንስሳ ዘቤት’የን።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ሓይሎ ክልላት እታ ሃገር ብዝተኸስተ ደርቂ፣ ኣብ ህይወት ሰብን ጥሪትን ከቢድ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘንጸላለወ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0