መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ ንገዛእ ሓዉ ከምዝቀንጸለ ይግለጽ

Radio Erena: 16 February 2017

North Korea

ሓዉ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ማሊዥያ ተሰሚሙ ከምዝሞተ ተገሊጹ።

ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት ዝርከብ ኪም ጆን ናም፣ ብሰኑይ 13 ለካቲት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኳላ ሉምፑር ተሰሚሙ ከምዝሞተ ዘረጋገጸ ክፍሊ ስለያ ደቡብ ኮርያ፣ ጠንቂ ሞቱ፣ ናይ ቅንጸላ ስርሒት ክኸውን ከምዝኽእል ኣንፊቱ።

ክልተ ደቂንስትዮ፣ መርዚ ዝተለበጠ መራፍእ ከምዝወግኦኦ ዝጠቐሳ ካልኦት ምንጭታት ዜና እቲ ዞባ ድማ፣ ሓደ ካብተን ጥርጡራት፣ ናይ ቬትናም መንነት ዘለዋ ጓለነስተይቲ ኣብ ቀይዲ ኣትያ መርመራ ይካየደላ ምህላዉ ሓቢረን።

ሰሜን ኮርያ ብዛዕባ ቅንጸላ፣ ሓዉ ንመራሒኣ ብዝምልከት ዘውጽኣት ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘየለ፣ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ንገዛ ሓዉ ንምቅታል ባዕሉ ዝኣዘዞ ስርሒት ክኸውን ከምዝኽእል ዝተፈላልዩ ስለያዊ ምንጭታት የመልክቱ።

ሞት ናይቲ ሓዊ ንሓደ ካብ መራሒ መለኽቲ ስርዓታት ዓለም ምዃኑ ዝንገረሉ ኪም ጆንግ ኡን፣ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ፖለቲካዊ ወጥሪ ከስዕብ ከምዝክእል ይግለጽ ኣሎ።

ሓዊ ነቲ ካብ ወለዱ ስልጣን ዝተረከበ ዕሉል ውልቀመላኺ ሰሜን ኮርያ ዝኾነ፣ ኪም ጆንግ ናም፣ ኪም ቾል ብዝምል ስም ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ግዝኣት ቻይና እትርከብ ርእሰ ምምሕዳር ማካው ተሰዲዱ ክነብር ከምዝጸንሐ’ዩ ዝፍለጥ።

እዞም ካብ ክልተ ዝተፈላለያ ኣዴታት ዝተወልዱ ኣሕዋት፣ ድሕሪ ሞት ኣቡኦም፣ ስልጣን መን ይውረስ ኣብ ዝብል ሕቶ ኣለዓዒሉ ምንባሩ ይዝከር።

ኪም ጆን ኢል ቅድሚ ሞቱ፣ ስልጣኑ ናብ ወዱ ኪም ጆንግ ኡን ንምስግጋር ቅድሚ ሞቱ ብዝወሰኖ መሰረት፣ እታ ሃገር ንወዲ 36 ዓመት ኡን እኳ ከም መራሒ እንተሸመቶ፣ ካብ ካልእ ኣደ ዝውለድ ሓው ኪም ጆንግ ናም ናብ ስልጣን ክመጽእ ዝደልዩ ብዙሓት ሰበ ስልጣን ሰሜን ኮርያን ሃገራት ምዕራብን ምንባሮም’ዩ ዝግለጽ።

ኪም ጆንግ ናም፣ ነሰሜን ኮርያ ሓዲጉ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስደት ክነብር እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ምንኣስ ሓዉ ግና ንሓያሎ ዓመታት ከም ቀንዲ ፖለቲካዊ መጻርርቱ’ዩ ክጥምቶ ጸኒሑ።

ናብታ ብስደት ዝነብረላ ርእሰ ምምሕዳር ማካው ንምምራሕ፣ ኣብ ማልዥያ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ኳላ ሉምፑር፣ ነፋሪት ኣብ ዝጽበየሉ ዝነበረ እዋን ብሃንደበት ድሕሪ ምውዳቑ፣ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተተወስደ፣ ካብ ንሞት ክድሕን ግና ኣይከኣለን።

ሓካይም ማሊዥያ ድማ ጠንቒ ሞት እቲ ሓው ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ምስማም ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

ኣመሪካ፣ ጠንቒ ምስማም ኪም ጆንግ ናም፣ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ሶንግ ኡን ብዝኣዘዞ ናይ ቅንጸላ ስርሒት’ዩ ክትብል ደምዲማ ኣላ።

ኣዝየን ዕጹዋት ካብ ዝኾና ሃገራት ዓለም ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሰሜን ኮርያ፣ ካብ 1948 ኣትሒዛ፣ ን69 ዓመታት ብኣቦን ወዲን ወዲ ወዲን እትምራሕ ዘላ ሃገር’ያ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0