ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ገኒኑ ዘሎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም፣ ብዝሒ ዘለዎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕን ልመናን ይዋፈሩ

Radio Erena: 15 February 2017

Underage2

ኣብ ኤርትራ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም፣ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብዝሒ ዘለዎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕን ልመናን ተዋፊሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ፣ ምውፋር ቆልዑ ኣብ ልመናን ናይ ጉልበት ስራሕን፣ ውጽኢት ናይቲ ኣለይቲ ስድራ ዝኾኑ ኣቦታትን መንእሰያትን፣ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ወፍርታት ሚሊሻን ተጸሚዶም ምህላዎም ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ሓያሎ ሓረስቶት ስድራቤታት፣ ብሰንኪ’ዚ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና፣ ንማሕረስ ዝወፍር ኣባል ስድራ ብምስኣነን፣ ገሊኤን ናብ ልመና ክዋፈራ ኣንከለዋ፣ ገሊኤን ከኣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ይስደዳ ምህላወን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ዝያዳ ምህርቲ ንምርካብ ናብ ልሙዕ መሬት ኤርትራ ክትግዕዙ ኢኹም ኢሉ፣ መንግስቲ ካብ ከበሳታት ናብ ባርካ ከውርዶም ዝጸንሐ ሓያሎ ሓረስቶት ስድራቤታት’ውን፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ካብ መበቆል ዓድታቶም ተፈናቒሎም ዘጋጥሞም ዘሎ ምምዝባል፣ ብሰንኪ ስእነት ዓያዩ ጉልበት ካብ ናይ ሕርሻ መነባብርኦም ዓዲ ውዒል ይኾኑ ከምዘለው እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

እቲ ሓበሬታ ብዘይካ’ዚ፣ ምስዚ ተኣሳሲሩ ሓይሎ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ካብ ገጠራት ናብ ከተማታት እናኣተዉ፣ ኣብ እንዳ ኣውቶቡሳትን ካልእ ህዝቢ ብብዝሒ ኣብ ዝንቐሳቐሰሉ ከባቢታትን፣ ኣብ ምጽዓንን ምርጋፍን ኣቑሑ ዝኣመሰለ ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕን ልመናን ክዋፈሩ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

Underage

ስድራቤታት ኤርትራ፣ ብናህሪ ዋጋታት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፣ መሰረታዊ መግብታትን ካልእ ማሕበራዊ መነባብሮን ኣብ ዝከላበትሉ ዘለዉ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ዕድሚኡ ነንዝኣኸለ ኣባል ስድራ፣ ገዛእ ርእሱን ስድራቤታቱን ንምሕጋዝ፣ ኣብ ትምህርትን ናይ ሞያ ንስራሕ ዕድላትን ንምውፋሮም ኣብ ክንዲ ዘተባብዕ፣ ብጅምላ ናብ ውትህድርና እናውረደ፣ ንህዝቢ ኮነ ኢሉ ግዳይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ብምግባር፣ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ ክብሉ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ናብ ሬድዮ ኤረና ዝልኣኹ ምንጭታት ትዕዝብታቶም ይጠቕሱ።

ስደት ንገጠራትን ከተማታትን ኤርትራ ብማዕረ ጸልይሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መንእሰያትን ዓበይትን ጥራይ፣ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ውን ብዘይኣላዩ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብብዝሒ ይስደዱ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።
======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0