ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፣ ናብ ዓ.ብሪጣንያ ዘእቱ ቪዛ ተኸልኪሎም

Radio Erena: Wednesday, 02 August 2023

ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty – Gobert Matériaux ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዝርከቦም 4 ኣባላት ናይ`ታ፡ ካብ 3 ክሳብ 13 ነሓሰ 2023 ኣብ ከተማ ግላስጎ ስኮትላንድ ኣብ ዝካየድ መበል 90 ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ጽርግያ ዓለም ምድብ ሲንየር ክትካፈል ክትሸባሸብ ዝቐነየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘእትዎም ቪዛ ከም እተኸልከሉ GCN Racing ዝተሰምየ ማዕከን ዜና ብሽክለታ ሮቡዕ 2 ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣፍሊጡ።
ኤርትራ ኣብ’ዚ ውድድር ብቢንያም ግርማይ፡ ኣባል ቱርካዊት ኮንቲነንታል ክለብ Beykoz Belediyesi ናትናኤል ብርሃነ፡ ኣባል ኣሜሪካዊት ዎርልድ ቱር ቲም EF Education-EasyPost ኦሎምፒካዊ መርሃዊ ቅዱስ፡ ተቐዳደምቲ ኣሜሪካዊት ዎርልድ ቱር ቲም Lidl – Trek ኦሎምፒካዊ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ናትናኤል ተስፋጽዮንን፡ ኣባል ጀርመናዊት ኮንቲነንታል ቲም Bike – Aid ዳዊት የማነን፡ ብሻምፕዮን ኣህጉር ኣፍሪቃን ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ፕሮ-ኮንቲነንታል ቲም Green Project-Bardiani CSF-Faizanè ሄኖክ ሙሉብርሃንን፡ ብሓፈሻ ብ7 ተቐዳደምቲ ክትውከል ምዃና ብሰሉስ ኣብ ዘቕረብናዮ መደብ ስፖርት ገሊጽና ከም ዝነበርና ዝዝከር ኮይኑ፡ GCN Racing ትማሊ ከም ዝጸብጸበቶ ግን፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ዳዊት የማነን ናብ ዓባይ ብሪጣንያ መእተዊ ቪዛ ክረኽቡ ከለዉ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን መርሃዊ ቅዱስን ድማ፡ ክሳብ ሕጂ መእተዊ ፍቓድ ኣይሓዙን።
እዞም 4 ሕቶኦም ብምንታይ ምኽንያት ከም እተነጽገ ብንጹር ዘይተፈልጠ 4 ተቐዳደምቲ፡ ኣብ’ዚ ዝመጽእ ሰንበት 6 ነሓሰ ዝካየድ ቅድድም ንምስታፍ፡ ኣብ’ዚ ተሪፉ ዘሎ ሒደት መዓልታት ደጊሞም ሕቶኦም ከቕርቡን ምስ ግዜ ክቓለሱ ምዃኖምን GCN Racing ብተወሳኺ ሓቢራ።
ክኢላ ሽኳ ቢንያም ግርማይ፡ ሓደ ካብ’ቶም “ነዚ ውድድር ክዕወቱሉ እዮም” ተባሂሎም ዓቢ ግምት ተዋሂብዎም ዘሎ ተቐዳደምቲ እዩ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ዕንቅፋት ቪዛ ከጓንፎም ሕጂ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ’ውን ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘእትዎም ፍቓድ ብዘይ ምርካቦም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓበይቲ ስልጠናታትን ውድድራትን ካብ ምስታፍ ተዓንቒጾም እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0