ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ጨንፈር ባረንቱ፣ ኣስታት 3 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ገንዘብ ዓማዊል ከምዝጠፍአ ተሓቢሩ

ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ጨንፈር ባረንቱ፣ ኣስታት 3 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ገንዘብ ዓማዊል ከምዝጠፍአ ተሓቢሩ

Radio Erena: 04 April 2016

Barentu

ኣብ ባረንቱ፣ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ፣ ኣስታት 3 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ገንዘብ ከምዝጠፍአ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ምንጭታት ብዝልኣኽዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ተጠቀምቲ ገንዘብ ንምውጻእ ናብቲ ባንክ ኣብ ዝኸድሉ፣ ዘእተኹሞ ገንዘብ የለን ዝብል መልሲ ከምዝተዋህቦም’ውን ሓቢሮም።

እቶም ተጠቀምቲ፣ ነቲ ገንዘብ ኣብ ዘዝተፈላለየ እዋናት ናብቲ ባንክ ከምዘእተውዎ ኣብ ኢዶም ዝርከብ ናይ ወረቀት መረጋግጺ እኳ እንተቕረቡ፣ ኣብ ኮምፒተር ግና ዝተመዝገበ ገንዘብ ስለዘይብልኩም ከነጻርዮ ኢና ዝብል መልሲ’ዩ ተዋሂብዎም።

ገንዘብ ናብ ባንክ ኣረኪቦም ክነሶም፣ ኣብ ኮምፑተር ዝተመዝገበ ገንዘብ የብልኩም ዝተብሃሉ ነበርቲ ባረንቱ ኣስታት 50 በጺሖም ከምዘለዉን እቲ ጠፊኡ ዝብሃል ዘሎ ብዝሒ ገንዘብ ከኣ ኣስታት 3 ሚልዮን ናቕፋ ምዃኑን ሬድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ።

ብሰንኪ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ከምዝጠፍአ ዝተገልጸ ገንዘብ፣ ተጠቀምቲ እቲ ባንክ ዝኾኑ ኣስታት 50 ዓማዊልን ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ጨንፈር ባረንቱን ኣብ ምስሕሓብ ይርከቡ።

ጉዳዮም ናብ ኣካያዲ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ጨንፈር ባረንቱ ኣቶ ዳኒኤል ተኽለን ካልኦት ዝምልከቶም ላዕለዎት ኣካላትን ከቕርቡ ተገዲዶም ኣለዉ።

እንተኾነ እቲ ምስሕሓብ ዓመቱ መሊኡ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ፍታሕ ከምዘይረኸበ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ የረድኡ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0