ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ዝተዋፈሩ 9 ዜጋታት ፊሊፒንስ ቀይዱ

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ዝተዋፈሩ 9 ዜጋታት ፊሊፒንስ ቀይዱ

Radio Erena: 04 April 2016

Nav

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊሮም ጸኒሖም ዝበሎም 9 ዜጋታት ፊሊፒንስ ከምዝቐየደ ማዕከናት ዜና ፊሊፒንስ ገሊጸን።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከተማ ጀዳ ዝርከብ ምክትል ቆንስል ፊሊፒንስ ኣሌክሳንደር ኤስቲሞ፣ 9 ዜጋታት ሃገሩ ንክሊ ማይ ኤርትራ ከምዝጠሓሱ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኤምባሲ ፊሊፒንስ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምርድዳእ ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ትሽዓተ ዜጋታቱ ንምፍታሕ ጻዕርታት ጀሚሩ ከምዘሎ’ውን እተን ማዕከናት ዜና ይጠቕሳ።

ብዛዕባ ምትሓዝ ፊሊፒናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ልሙድ ዝተወሃበ ዝኾነ መግለጺ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት’ውን የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራ ዓሳ እናገፈፉ ተደጋጋሚ እዋን ክተሓዙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ሓያሎ ኩባንያትት ግብጺን ካልኦት ሃገራት ኤስያን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ብተደጋጋሚ ከምዝዋፈራ’ዩ ዝንገር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0