ተገፊፎም ክዕለሙ ዝጸንሑ መንእሰያት፣ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ባር ትብለጽ፣ ካብ መካይን እናዘለሉ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ብዝተኸፍተ ተዅሱ ሓይሎ መንእሰያት ቆሲሎም

ተገፊፎም ክዕለሙ ዝጸንሑ መንእሰያት፣ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ባር ትብለጽ፣ ካብ መካይን እናዘለሉ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ብዝተኸፍተ ተዅሱ ሓይሎ መንእሰያት ቆሲሎም

Radio Erena: 04 April 2016

Run Army

ተገፊፎም ክዕለሙ ዝጸንሑ መንእሰያት፣ ብመንገዲ ኣስመራ ናብ ከባቢ ዓሰብ እናምርሑ እንከለዉ፣ ካብ መካይን እናዘለሉ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ብዝተኸፍተ ተዅሱ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሓያሎ መንእሰያት ከምዝቖሰሉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣብ 15 ዝኾና መካይን ተጻዒኖም ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ካብ ዝርከብ መደበር ታዕሊም ዝተበግሱ መንእሰያት፣ ብመንገዲ ኣስመራ ናብ ዓሰብ እናምርሑ’ዮም፣ ትማሊ ሰንበት 03 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ባር ትብለጽ እናዘለሉ ክሃድሙ ፈቲኖም።

ኣብ ሓለዋ ተፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ኤርትር ብዝተኮስሎም ጠያይቲ ዝቖሰሉ ሓያሎ መንእሰያት ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ተዓቝቦም ከምዘለው’ውን እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

 

ካብ ታዕሊም ናብ ዝተመደበሎም ኣሃዱታቶም እናምርሑ፣ ካብ መካይን እናዛዘለኡ ክሃድሙ ብተደጋጋሚ ዝረአ ፍጻሜ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ስግኣታት ወራር ወያነ ይበዝሓሉ ብዝብል ምስምስም፣ ኩሉ ዝምልከቶ ናብ ታዕሊልም ክወርድን እቶም ተዓሊሎም ካብ ኣሃዱታቶም ኮብሊሎም ወይ ተፋንዮም ዝርከቡ ከኣ ክምለሱን ጻውዒት የቕርብ ኣሎ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0