ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝሓቖፈ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት የካይድ

Radio Erena: 04 April 2023

ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት የካይድ ኣሎ።

እቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሓለፍቲ ጸጥታ፣ ወትሃደራዊ ርክባትን ሎጂስቲክን ዘጠቓለለ ልኡኽ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ዝርከብ ናይ ቴክኖሎጂ፣ ምህንድስናን ወትሃደራዊን ትካላት መንግስቲ እናተዘዋወረ ይዕዘብ ምህላዉ መርበባት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ወትሃደራዊ ልኡኽ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ ምስ ወትሃደራውያን መራሕቲ ኢትዮጵያ ብምርዃብ ይዝቲ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ንክልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ደማዊ ኵናት፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብ ትግራይን ካልኦት ክልላትን ተዋፊሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ ኵናት፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝበዝሐ ከባቢታት ትግራይ ከምዝሰሓበ ክግለጽ እንከሎ፣ ኣብ ዶባት ኣብ ዝርከባ ዓድታት ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ምህላዉ ግዝያዊ ምሕዳር ትግራይ ይወቅስ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0