ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ዝተሳተፉ ኣስታት 200 መንእሰያት ኣብ ዓላ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ዝተሳተፉ ኣስታት 200 መንእሰያት ኣብ ዓላ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 14 March 2018

haj mussa

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ዝተሳተፉ ኣስታት 200 መንእሰያት ኣብ ዓላ ተኣሲሮም ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም መንእሰያት፣ ኣብቲ ብ3 መጋቢት ኣብ መቓብር ሸኽ ኣላሚን ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ ድሕሪ ምስታፎም፣ ኣብ ዝፋነውሉ ዝነበሩ እዋን፣ ብጉዳይ መንቀሳቐሲ ወረቐት ተገፊፎም ብኡ ንብኡ ከምዝተወስዱ ዝሓበሩ ስድራቤታቶም፣ ገሊኦም ኣብ ዓላ ምህላዎም ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ግዜ ክፍለጡ ከምዝኸኣሉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ይኹን’ምበር ስድራቤታቶም ክበጽሕዎም ናብ ዓላ ኣብ ዝወረድሉ እዋን፣ “ኣብዚ ከምዚ ዝበሃል የለን፣” እናበሉ ይመልስዎም ከምዘለዉ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ወዲ 93 ዓመት ሓጂ ሙሳ ድሕሪ ምዕራፎም ብ3 መጋቢት ኣብዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቀብሮም ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ’ዩ ተረኺቡ።

ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት፣ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ ከይልዓል ብምስጋእ፣ ሓይልታት ጸጥታ ብብዝሒ ተዋፊሮም ምንባሮም ይፍለጥ።

እቶም ሓይልታት ጸጥታ፣ ድሕሪ ምዝዛም ስነ ስርዓት ቀብሪ፣ ነቶም ብዕድመ ዝሸምገሉ ኣቦታት ብዘይዝኾነ ጸገም ነናብ ገዝኦም ከፋንውዎም እንከለዉ፣ ንዝበዝሑ መንእሰያት ግና ብስም መንቀሳቐሲ ወረቐት ገፊፎም ከምዝወሰድዎም ክግልጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣስታት 200 ኣብ ዓላ ከምዘለው ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ከረጋግጹ እንከለዉ፣ ናብ ካልእ ቦታ ተወሲዶም ዝተኣስሩ ክህልዉ ከምዝኽእሉ’ውን ኣተንቢሆም።

ኣቦይ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር፣ ኣንጻር እቲ መንግስቲ ንምዕጻው ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣልእስላምያ ብጉሁድ ዝተቓወሙን፣ ምእንቲ መሰል እምነቶም ብጽንዓት ዝሞጎቱን ኣብነታዊ ኤርትራዊ ኣቦ’ዮም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0