ባይቶ ሶማል፣ ኣብ መንጎ ዱባይ፣ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተኸተመ ስምምዕ ወደብ በርበራ ብዓብላሊ ድምጺ ነጺግዎ

ባይቶ ሶማል፣ ኣብ መንጎ ዱባይ፣ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተኸተመ ስምምዕ ወደብ በርበራ ብዓብላሊ ድምጺ ነጺግዎ

Radio Erena: 15 March 2018

parlm_somaliaባይቶ ሶማል፣ DP World ናይ ዱባይ፣ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ንወደብ በርበራ ኣመልኪተን ዝኸተምኦ ስምምዕ ብዓብላሊ ድምጺ ነጺግዎ።

ማዕከናት ዜና ሶማል ካብ ሞቛድሾ ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ፣ ካብ 170 መናብር ባይቶ እቶም 168 ኣባላት ነቲ ስምምዕ ነጺጎሞ።

ኣቐዲሞም ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ፈረደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተኸተመ ስምምዕ ንሉኣላውነት ሶማል ዝግህስ’ዩ ክብሉ ተቓውምኦም ከስምዑ ጸኒሖም’ዮም።

እቲ ጉዳይ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ፓርላማ ቀሪቡ ድማ፣ እቲ ስምምዕ ብህዝብን መንግስትን ሶማል ተቐባልነት ከምዘይህልዎ ደምዲሞም።

ብመሰረት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ DP World ናይ ዱባይ ን51% ኣገልግሎታት ወደብ በርበራ ክውንን እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ድማ ን19 % ዓዲጋቶ ኣላ። እቲ ዝተረፈ 30 % ከኣ ብመንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ተሓዚኡ ይርከብ።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ስያድ ባረ፣ ሶማሊላንድ ካብ ሶማል ተፈልያ ኣብ 18 ግንቦት 1991 ርእሰ ምምሕዳር ከምዝኣወጀት ይዝከር።

እንተኾነ፣ እታ በይናዊ ናጽነት ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፣ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ቅድሚ ምርካባ ምስ መንግስቲ ሶማል ክትዘራረብ ከምዘለዋ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ጸቕጢ ክቐርበላ ጸኒሑ’ዩ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0