ጅቡቲ፣ ብDP World  ናይ ዱባይ ዝመሓደር ዝነበረ ወደብ ዶራለ ንናይ ሲንጋፖር ትካል ኣረኪባቶ

ጅቡቲ፣ ብDP World ናይ ዱባይ ዝመሓደር ዝነበረ ወደብ ዶራለ ንናይ ሲንጋፖር ትካል ኣረኪባቶ

Radio Erena: 14 March 2018

singa

መንግስቲ ጅቡቲ፣ ነቲ ብDP World ናይ ዱባይ ዝመሓደር ዝነበረ ናይ ኮንተይነር ተርሚናል ወደብ ዶራለ፣ Pacific International Lines (PIL) ንዝተባህለ ናይ ሲንጋፖርት ትካል መጓዓዝያ ባሕርን ኣገልጎታት ወደብን ከምዘረከቦ ኣፍሊጡ።

ምስቲ ትካል ብ5 መጋቢት ስምምዕ ከምዝኸተመ ዝሓበረ መንግስቲ ጅቡቲ፣ ኣገልግሎታት ኮንተይነር እቲ ወደብ ካብዚ ዘለዎ ብሓደ ስልሲት ክዓቢ ትጽቢት ከምዘሎ ገሊጹ።

መንግስቲ ጅቡቲ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ምስDP World ዝነበሮ ውዕል ኣብ 22 መጋቢት ከቋርጾ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ እቲ ናይ ዱባይ ትካል ነቲ 1.6 ሚልዮን ኮንተይነራት ኣብ ዓመት ናይ ምርጋፍን ምጽዓንን ዓቕሚ ዘለዎ ወደብ ዶራለ፣ ናብ ኢትዮጵያን ውሽጣዊ ኣገልግሎታትን ጥራይ ሓጺርዎ ብምጽንሑ’ዩ።

እዚ ድማ ካብ 800 ሽሕ ኮንተይነር ኣብ ዓመት ዘይሓልፍ’ዩ ዝበለ መንግስቲ ጅቡቲ፣ ብመሰረት እዚ ምስ ናይ ሲንጋፖር ኩባንያ ከቲምዎ ዘሎ ሓድሽ ስምምዕ፣ እቲ ወደብ ብኣገልግሎታቱ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ ዘለዎ ተኽእሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ሓድሽ ስምምዕ ንተጠቀምቲ እቲ ወደብ ዝኾኑ መንግስታትን ትካላትን ዘይሃስን ርትዓውን ኣገልግሎታት ክህብ ምዃኑ መግለጺ መንግስቲ ጅቡቲ ኣመልኪቱ።

ጅቡቲ፣ ነቲ ምስ DP World ናይ ዱባይ ዝነበራ ውዕል ምስራዛ፣ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ናይ ወደብ ኣገልግሎታታ ኣብዚ ወደብ ተደሪቱ ዝርከብ ኢትዮጵያ ሻቕሎት ከምዝፈጠረላ ብወግዒ ገሊጻ’ያ።

ወደብ ዶራለ ብዘለዎ ዘመናዊ መሳለጥያታት ብገምጋም ኣብ ሰዓት 35 ኮንተይነራት ናይ ምርጋፍ ወይ ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ከምዘለዎ ይግለጽ።

Pacific International Lines (PIL) ንንጥፈታት ወደብ ዶራለ ብሓደ ስልሲት ብምዕባይ፣ ኣብ ዓመት 1.1 ሚልዮን ኮንተይነር ናይ ምጽዓንን ምርጋፍን ኣገልግሎታት ክህብ ትጽቢት ተነቢርሉ ኣሎ።

DP World ናይ ዱባይ ምስ ጅቡቲ ዝነበሮ ውዕል ድሕሪ ምቁራጹ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምሽራኽ ንወደብ በርበራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከመሓድር ኣብ ስምምዕ በጺሑ’ሎ።

ብመሰረት’ቲ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተቓውሞ ገጢምዎ ዘሎ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተኸተመ ስምምዕ፣ DP World ናይ ዱባይ 51% ብርኪ ክውንን እንከሎ፣ ኢትዮጵያ 19%፣ መንግስቲ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ድማ 30%”ዮም ዝውንኑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0