ኣብ ሱዳን ከተማ ገዳርፍ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተኻይዱ

RADIO ERENA – Friday, 12 April 2024

ኣብ ሱዳን ከተማ ገዳርፍ ዝተፈጸመ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ትማሊ ሰሉስ ንጉሆ ንዋና ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ስለያ ኣገልግሎትን ሰራዊትን ከም ዘጥቅዐ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።

እዚ ፍጻመ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ፈጣን ሓይልታትን፣ ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ሰሉስ 9 ሚያዝያ፣ ሰለስተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ተበጊሰን ነታ ከተማ ከም ዘጥቅዓ ተገሊጹ።

በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ ኣል-ሙታማፍ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ናይ ስለያ ኣገልግሎት ኣብ ዝርከብ መስጊድ ነፋሪት ብምውዳቓ፣ ሓደ ሓላፊ ጸጥታን ሓደ ሲቪልን ቆሲሎም።

ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኩኣ እንተዘየለ ሰራዊት ሱዳን ግን ንብጀነራል ሓምዳን ዶጋሎ ሓሚቲ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ይኸስስ።

ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ካብ ሰራዊት፣ ፖሊስን ስለያን ዝመጹ ሰራዊት ዝሓቖፈ ጉጅለ ኣብታ ከተማ ከም ዝተዋፈረ ይፍለጥ።

ቅድሚ ሕጂ ውሑስ መዕቆቢ ተባሂላ እትቑጸር ዝነበረት ገዳረፍ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከቢድ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ከም ትርከብ ይፍለጥ።

ብ02 ሚያዝያ ውን ኣብ ሱዳን፣ ከባቢ ኣጥባራ፣ ንፍጡር ተኣኪቦም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ መራሕቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልባራ ቢን ማሊክ ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን ደብዳብ ብውሕዱ 12 ሰባት ከምዝተቐትሉን 30 ድማ ከምዝቖሰሉን ይዝከር።

ብተመሳሳሊ ብቀዳም 06ሚያዝያ፣ ኣብ ሓንቲ ቁሸት፣ 28 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ንኮሚቴ ሓካይም ብምጥቃስ ኣራብ ኒውስ ሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኩነታት ሱዳን ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ እታ ሃገር ኣብ ኣፍደገ ዕንወት ከም ትርከብ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ክመዛበሉ እንከለዉ፣ ተወሳኺ 1.7 ሚልዮን ሰባት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሃዲሞም።

ሕቡራት ሃገራት ብዘቕርቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ኣስታት ፍርቂ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሱዳን፣ ወይ እቲ 25 ሚልዮን ተጸባይ ህጹጽ ረዲኤት ‘ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0