ባይቶ ኤውሮጳ ንኣተሓሕዛን ኣቀባብላን ስደተኛታት ዝዓለመ ሓድሽ ስምምዕ ኣጽዲቑ

RADIO ERENA – Friday, 12 April 2024

ባይቶ ኤውሮጳ ድሕሪ ናይ ትሽዓተ ዓመታት ክትዕን ዘተን፣ ትማሊ ረቡዕ ንኣተሓሕዛን ኣቀባብላን ስደተኛታት ዝዓለመ ሓድሽ ስምምዕ ኣጽዲቖም።

ኣባል ሃገራት ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ዝወሰደ ዘተ ትማሊ ረቡዕ 10 ሚያዝያ፣ ንውዕል ስደትን ዑቕባን ዝቖሙ ኣስታት 10 ደንብታትን መምርሒታትን ኣድሚጾም።

እቲ ድምጺ ኣብቶም ኣዝዮም ኣካታዕቲ ነጥብታት ካብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዝተመሓየሸ ኮይኑ ብኣስታት 30 ድምጺ ሓሊፉ።

እዚ ድማ ንኣገባባት ዶባት ዘትርርን ንኹለን 27 ሃገራት እቲ ውድብ ሓላፍነት ክካፈላ ዘገድድን እዩ።

ኮሚሽን ኤውሮጳ እዚ ሓድሽ ውዕል ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ብኸመይ ከም ዝትግበር ድሕሪ ምግላጹ፣ ኣብ 2026 ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ገሊጹ።

ሓደስቲ ሓተቲ ዑቕባ፣ መስርሕ ሕቶ ዑቕባኦም እናተመርመረ እንከሎ፣ ነቶም ሕቶ ዑቕባኦም ተቐባልነት ዘይረኸበ ግን ክስጎጉ ዘፍቅድ እዩ።

ብተወሳኺ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ከም ጣልያንን ግሪኽን ዝኣመሰላ “ቅድመ መስመር” ሃገራት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓተትቲ ዑቕባ ክወስዳ ይጠልብ።

ነዚ ከተግብራ ገንዘባዊ ወይ ናይ ጸጋታት ደገፍ ክግበረለን ምዃኑ ውን ይገልጽ።

ሓደ ካብቲ ዝተወስደ ስምምዕ ድማ፣ ሓተቲ ዑቕባ ምስ ሓንቲ ሃገር እኹል ርክብ እንተሃልይዎ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ውን እንተኾነ ናብተን “ውሑስ” ተባሂለን ዝሕሰባ ሃገራት ምልኣኽ እዩ።

ብመሰረት እቲ ውጥን፣ ካብ ሽዱሽተ ዓመት ዕድመ ጀሚሮም ካብ ህጻናት ናይ ገጽ ምስልታትን ኣሰር ኣጻብዕትን ክውሰድ ከምዝኽእልን ሰባት ኣብ እዋን መርመራ ክእሰሩ ከምዝኽእሉን ተገሊጹ።

ሓላፊት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፣ ምጽዳቕ እዚ ጽገና “ንኤውሮጳ ዓቢ ዓወት እዩ ” ክትብል እንከላ ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ይልቫ ጆሃንሰን ብወገኑ “እዚ ሕጊ ብዶባትና ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ክከላኸል እዩ ፣ንኽጸንሑ ብቑዓት ዘይኮኑ ድማ ብቕልጡፍ ክመልሶም እዩ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት “ግዴታዊ ምትሕግጋዝ” ከተኣታቱ ክኽእል’ዩ” ኢሉ።

ጉጅለታት ተጣበቕቲ ስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰላትን ነቲ ስምምዕ ክኹንንዎ ከለዉ22 ጉጅለታት ግብረ ሰናይ ነቲ ስጉምቲ “ውሕስነት ንዝደልዩ ሰባት ዘላቒ ፍታሕ ዘይህብ” ክብሉ ገሊጾምዎ።

“ካብ ግጭት፡ ስደት ወይ ቁጠባዊ ዘይውሕስነት ንዝሃድሙ ሰባት፣ እዚ ጽገናታት እዚ ምትግባሩ ማለት ውሑድ ሓለዋን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምግጣም ዝዓበየ ሓደጋን ማለት’ዩ” ክትብል ኢቭ ጌዲ፣ ካብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጻ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ልዕሊ 46 ሽሕ ሰባት ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም።

ካብዚኦም እቶም 400 ነቲ ጉዕዞ ክገብሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከምዝሞቱ ይግመት።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0