ስዑዲ ዓረብ፣ ንሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ከምዝእትድግፍ ገሊጻ

RADIO ERENA – Thursday, 11 April 2024

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ንሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማል ከምእትድግፍ ገሊጻ።

እታ ሃገር ነዚ ዝገለጸት፣ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ዝዛዘመሉ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘውጽኦኦ ሓብራዊ መግለጺዩ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብቲ ምስ ወራስ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ኣብ ከተማ መካ፣ ብ08 ሚይዝያ ዘካየዶ ርክብ፣ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት፣ ኣብ ጸጥታ፣ ምክልኻል፣ ንግዲን ካልእን ጽላታትን ከምዝዘተዩ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳራት ሶማሊላንድን ዝኸተመቶ፣ ኣብ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዘተኮረ መረዳድኢ ሰነደ፣ ሶማል ከም ምግሃስ ልኣላውነታን ግዝኣታዊ ሓደነታን ብምግላጽ፣ ኣንጻሩ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ኣብ ምክያድ ትርከብ።

ኣብ ርእሲዚ፣ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከምዝወጸተን ንፈደራላዊ መንግስቲ ድማ ኣፍልጦ ከምዘይትህብን ዝጠቐሰት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ምስ ኢትዮጵያ ዝምድንኣ ንምሕያል ተበግሶ ምውሳዳ፣ ንሶማል ተወሳኺ ሻቕሎት ፈጢሩላ ኣሎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0