ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ግጭት ናይ ልዕሊ 43 ሰባት ሬሳ ከምዘልዓለ ቀይሕ መስቀል ገሊጹ

Radio Erena: Monday, 04 September 2023

ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ግጭት፣ ብውሕዱ ናይ 43 ሰባት ሬሳ ከምዘልዓለ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ኣብ ዘዋስን ዞባ ላስ ኣኖድ፣ ኣባ መንጎ ሰራዊት ርእሰ

ምምሕዳር ሶማሊላንድን ብቀቢላ ዝተወደቡ ዕጡቓትን ዝተኻየደ ግጭት ዝቖሰሉ 110 ሰባት ናብ

ሆስፒታላት ከምዘበጻጸሐ ኣቐዲሙ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ካብቲ ቦታ ገሊጹ’ዩ።

ኣብ ዶባት ርእሰ ምምሕዳራት ሶማሊላንድን ፑንትንድን ዝንቀሳቐስ ብቀቢላ ዝቖመ ሚሊሻ፣
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ላስ ኣኖድ ንዝርከብ ዝዓበየ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዝተቖጻጸረ ምግላጹ
ኣይርሳዕን።

ኣብ ሱል፣ ሳናግን ካያን ዝተባህለ ከባቢታት ዝርከቡ ቀቢላ ድሑልብሓንተ ዝቖመ ሚሊሻ፣ ናይ ገዛ
ርእሱ ምምሕዳር ንምውናን ዝቓለስ ኮይኑ፣ ርእሰ ምምሕዳራት ሶማሊላንድን ፑንትላንድ
ክቓወምዎ ከምዝጸንሑ ሰነዳት ታሪኽ ይጠቕስ።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን፣ ብዋንነት ዕምርቲ ናይ ንግዲ ከተማ ምዃና ዝንገረለ ላስ ኣኖድ
ድሕሪ ዝተበገሰ ምስሕሓብ፣ ፑንትላንድ ነቲ ሚሊሻ ብምድጋፍ ኣንጻር ሶማሊላንድ ተዋፍሮ ከምዘላ
‘ያ ብወገን መንግስቲ ቢሒ ትውቀስ።

ኣብ ከተማ ላስ ኣኖድ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ብዝተወልዐ ግጭት ልዕሊ 180 ሽሕ ህዝቢ ካብ
መነባብርኡ ከምዝተመዛበለ’ዩ ዝውቀስ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0