ኣመሪካ፣ ክልተ ጥርሙዝ ቢራ ንምስራቕ ንኤርትራዊ ሰራሕተኛ ዝቐተለ ውልቀ ሰብ ይህደን ኣሎ

Radio Erena: Monday, 04 September 2023

ኣብ ኣመሪካ፣ ሳን ፍራንሲስኮ፣ ክልተ ቢራ ጥርሙዝ ንምስራቕ፣ ኣቶ ዮውሃንስ ተወልደ ንዝተባህለ
ኤርትራዊ ሰራሕተኛ ዝቐተለ ውልቀ ሰብ ይህደን ምህላዉ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ወዲ 60 ዓመት ምዃኑ ዝተገልጸ ኣቶ ዮውሃንስ፣ ብ24 ነሓሰ ምሸት፣ ሪሽሞንድ ኣብ ዝተባህለ
ግሮሰሪ፣ ኣብ ስራሕ እንከሎ’ዩ፣ መስተ ንምስራቕ ብዝኣተወ መንእሰይ፣ ብናይ በይዝ ቦል በትሪ፣ ኣብ
ርእሱ ብከቢድ ተሃሪሙ።

ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ኮማ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝዓረፈ ዝተገልጸ ኣቶ ዮውሃንስ፣ በዓል ሓዳርን
ኣቦ ክልተ ውሉዳትን’ዩ።

ኣቶ የውሃንስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ኣመሪካ ዜግነት ዝሓዘን፣ ብስራሕን ህርኩትነትን ዝፍለጥ
ምንባሩ’ዩ ተጠቒሱ።

ዛጊት መንነቱ ዘይተነጸረ ቀታሊ፣ ካብ ናይ ሓለዋ ካሜራ ዝተወስደ ስእሉ ተዘርጊሑ፣ ይህደን
ምህላዉ ማዕከን ዜና ፎክስ ሓቢሩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0