‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዋስን ዞባ ምብራቕ ሱዳን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር ገኒኑ’

Radio Erena: Monday, 04 September 2023

ንኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዘዋስን ዞባ ምብራቕ ሱዳን፣ ዘይሕጛዊ ምስግጋር ኣጽዋር ግኑን ተርእዮ ኮይኑ ከምዘሎ ብቋንቋ ዓረብ እትሕተም ጋዜጣ ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ኣቃሊሓ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብወገኑ፣ ኣብቲ ዞባ ወድ ል ዳው ኣብ ዝተባህለት ንእሽቶ ቁሸት፣ ኣብ ዕዳጋታት፣ መሸጣ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ከምርአ ንነብርቲ እታ ቁሸት ብምዝርራብ ኣረጋጊጹ።

ከም ካላሺን ኮቭ፣ ስናይፐርን ሸጓጉጥን ዝኣመሰለ ፈኮስቲ ጠበናጁ፣ ኣብ ክፉት ንዕዳጋ ወሪዱ፣ ህዝቢ ክዋገየሉ ከምዝርአ’ዩ እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣገንዚቡ።

ኣብ ትሕቲ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ፣ ኣብቲ ዞባ ገኒኑ ንዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ኣጽዋር ንምቑጽጻር ይፍትን እኳ እንተሎ፣ እቲ ጉዳይ ዝተሓላለኸን ኣሸጋርን ምዃኑ’ዩ ተኣሚኑ።

እቲ ሰራዊት፣ ብ10 ነሓሰ፣ ኣብ ከሰላ፣ ኣብ ክልተ ሎሪ ዝተጻዕነ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝሰጋገር ዝነበረ ኣጽዋር ንምቑጽጻር ኣብ ዝፈተነሉ፣ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ከምዝነበረ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን– ሱና ኣረጋጊጹ።

እቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ከሰላ ዝኣተወ ኣጽዋር፣ ኣብ ከባቢ ካርቱም ዓሪዱ ናብ ዘሎ፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ዝተላእከ ምንባሩ ‘ዩ እቲ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ወቒሱ።

ኣቐዲሙ’ውን ብፖርት ስዋኪንን ከባቢ ከሰላን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተላእከ ኣጽዋራት ኣብ ቁጽጽር ከምዘውዓሉ ሓደ በዓል ስልጣን ጸጥታ ጠቒሱ።

እንተኾነ እቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝልኣኽ ዘሎ ኣጽዋር ካበይ ከምዝነቐለ ኣይኣመተን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ባሕቲ መስከረም፣ ብኣገልግሎት ዜናኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ናይ ኣጽዋር ምትሕልላፍ ንጥፈታት ከምዘሎ ንምምሳል፣ ኰነ ኢልካ ብማሕበራዊ ሚድያታት ሕሱር መታለሊ ሓሶታት ኪእንፈት ምጽንሑ ብምጥቃስ፣ብወዝቢ ከምዘይኮነን እከይ ዕላማኡ’ውን ከምዘይስሓትን ገሊጹ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0