ስዊዘርላንድ – ‘ዋዕላ ጥዕና ኣእምሮ’ ተኻይዱ

RADIO ERENA – Monday, 22 April 2024

ብቐዳም 20 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ሉዛን ስዊዘርላንድ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ብኤርትራውያን ዝተዳለወ ‘ዋዕላ ጥዕና ኣእምሮ’ ተኻይዱ::

እቲ ‘ገዛና’ ብዝተባህለ ናይ ምትሕግጋዝ ማሕበር ዝተዳለወ ዋዕላ ኣብ ጉዳይ ስነ-ኣእምሮ ብሓፈሻ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ስደት ድማ ብፍላይ ዝዘተየ ኮይኑ ኤርትራውያን ብዝርድኦም ቋንቋ ትግርኛ ተኻይዱ::

ኣብቲ ዋዕላ ሓኪም ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ስነ-መትንን ዶክተር ዘርኣብሩኽ ገብረማርያም ‘ምዝንባላት ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ኣብ ስነ-ማሕበራዉን ባህላዉን ኩነታት ሕብረተሰብናን ኣፈታትሑን’ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ሂቡ::

ዶክተር ዘርኣብሩኽ ሓያሎ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ሓያሎ መስገደላት ሓሊፎም ስለዝመጹ፣ ኣእምሮኣዊ ማህሰይትን በሰላን (PTSD) ከምዝወርዶም፣ ምስ ረጽሚ ሓድሽ ባህሊ፣ ቋንቋን ኣከባብን ናብ ዝተፈላለየ ኣእምሮኣዊ ሕማማትን ጸቕጥን ከምዘምርሖም ክገልጽ’ከሎ፣ ኣፈታትሕኡ ድማ ዘርዚሩ::

ተሓጋጋዚ ሓኪም ራድዮሎጂስት ዶክተር ሮቤል ሃብተማርያም ብወገኑ ‘ኣፍንጫ ክህረም ዓይኒ ይነብዕ፥ ጽልዋ ጸገማት ኣእምሮ ኣብ ኣካላዊ ጥዕናን ብኣንጻሩን’ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ጥዕና ኣእምሮ ምስ ካልእ ሕማማት ክፍሊ ኣካላት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ምትሕሓዝ ከምዘለዎ ገሊጹ::

ዶክተር ሮቤል: ኣእምሮን ኣካላትን ጥቡቕ ምትሕሓዝ ከምዘለዎ፣ ሰባት ዝሓሸ ኣካላዊ ጥዕና ክህልዎም እንተደኣ ኮይኑ ልዕሊ ኹሉ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕንኦም ክንክን ክገብሩ ከምዝግባእ መኺሩ::

ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ስዊዘርላንድ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ሉዛንን ጀኔቫን ዝነጥፋ ናይ ኤርትራውያን ናይ ምትሕግጋዝ ማሕበራት – ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ተነጽሎን ንሱ ዝፈጥሮ ጸቕጥን ንምግልጋልን ምስ ሕብረተሰብ ንምውህሃድን ዝሕግዝ ቀሊል ሜላ መነባብሮ ከምዝኣትዉ ንምግባርን፣ ናይ ቋንቋን ካልእ ትምህርትታትን ስርሐን ንተሳተፍቲ ዋዕላ ኣላልየን::

እቲ ዋዕላ ምስ ኣእምሮን ኣካላትን ዝተሓሓዝ ንጥዕና ዝትክንፉ ከም፣ ኩነተ ኣእምሮ፣ ምዝንባል ኣእምር፣ ጸቕጢ፣ ማህሰይትን በሰላን፣ ራዕድን ሽበራን፣ ተርባጽን ምሽቓልን፣ ቅዛነት፣ ጭንቀትን፣ ምስሓት ኣእምሮን ካልእን ዝትንክፍ ኔሩ::

ብሓፈሻ መልእኽቲ እቲ ዋዕላ ‘ጥዕና ኣእምሮ’ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነን ካብ ዝነኣሰ ክሳብ’ቲ ዝዓበየ ምልክታት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ‘ሰብ ክብለኒ’ ከይበልካ ሕክምናዊ ሓገዝ ምሕታት ንምትብባዕ እዩ ኔሩ::

ኣእምሮኣዊ ሕክምናዊ ሓገዝ ከምቲ ብልምዲ ‘ተጸሊሉ’ ንዝብሃል ምስሓት ሓንጎል ንዘጋጥሞ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ወላ’ውን ነቲ ጥዑይ ዝመስሎ ግን ዝተፈላለየ ኩነተ ኣእምሮ ዝሓልፍ ሰብ’ውን የድልዮ እዩ::

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0