ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፣ ከቢድ ዋሕዲ መድሃኒታት ተኸሲቱ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 10 January 2022

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፣ ዋጋታት መድሃኒት ብ40% ከምዝነሃረ፣ ንኣፍረይትን ቀረብትን መድሃኒታት እታ ሃገር ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተራእየ ናህሪ ዋጋታት መድሃኒት፣ ምስቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ዝተተሓሓዘ’ዩ።

መድሃኒት ዘፍርያ ኩባንያታት ይኹና ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ዝነበረ ቀረባት መድሃኒት፣ ጠለባት እታ ሃገር ከማልእ ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ ወሪዱ ምህላዉ ‘ዩ ተመልኪቱ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ዋጋታት መድሃኒት ጥራይ ዘይኮነ፣ መሰረታዊ መግብታት’ውን ዋጋታቱ ብልዕሊ 40% ከምዝነሃረ ሕቡራት ሃገራት ምጝላጹ ኣይርሳዕን።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር፣ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ከበባ፣ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛትን መድሃኒታትን ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ፣ ሕክምና ዘድልዮም ሰባት ብቐሊሉ ግዳያት ሞትን ሕልኽላኻት ሕማማትን ይኾኑ ምህላዎም ሰብ ሞያ ጥዕና እታ ክልል ይገልጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ድሮንን ነፈርቲ ኵናትን ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ኵናት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዝተዓቝብሉ መዓስከር ብዘካየድኦ ደብዳብ፣ ቆልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ 56 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣብ ትግራይ ተዋፊረን ዝርከባ ትካላት ግብረ ሰናይ ኣቃሊሐን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0