ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንትን ሶማል፣ ብጉዳይ ምምላስ ናይቲ ኣብ 2018 ዝተታሕዘ፣ 10 ሚልዮን ዶላር ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ተወሳኺ ምስሕሓብ ተጸሚዶም

Radio Erena: 10 January 2022

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ሑሰን ሮብለ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ዝተታሕዘ፣ 10 ሚልዮን ዶላር ናብ ሕቡራት ኢማራት ገንዘብ ክምለስ ኣዚዙ።

ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ፣ ብኣንጻሩ ሃገራዊ ባንክ ሶማል፣ ትእዛዝ ቀዳማይ እቲ ሚኒስተር ከየተግብር ብምእዛዝ፣ እቲ ገንዘብ ናብ ሕቡራት ኢማራት ከይምለስ ተቓዊሙ።

ኣብ 2018፣ ብነፋሪት ተጻዒኑ ናብ ሶማል ንምእታው ኣብ ዝፈተነሉ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ዝተታሕዘ 10 ሚልዮን ዶላር፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጸጥታ እታ ሃገር ንምዝራግ ዝለኣኸቶ ምንባሩ ኣብቲ እዋን ብመንግስቲ ሶማል ተሓቢሩ።

ይኹን’ምበር ሕቡራት ኢማራት፣ እቲ ገንዘብ፣ ኣብ ሶማል ንዝካየድ ዘሎ ሰራዊት ናይ ምህናጽ መስርሕ ንምድጋፍ፣ ንደሞዝ ሰራዊት ዝተላእከ ምንባሩ’ያ ከተረድእ ፈቲና።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ናይቲ ፍጻሜ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ፣ እቲ ገንዘብ ናብታ ዓረባዊት ሃገር ክምለስ ክእዝዝ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ ብወገኑ ተቓዊምዎ ኣሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ብጉዳያት ምልኣኽ ሰራዊት ሶማል ናብ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ምርጫን ክሰሓሓቡ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ድማ ፕረዚደንት ፋርማጆ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ከምዝኣለዮ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብወገኑ፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ ስልጣኑ ዘብቅዐ ሕጋዊ መራሒ ሶማል ኣይኮነን ብምባል፣ ብመሰረት መሰጋገሪ ቅዋም እታ ሃገር፣ ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን ብቀዳማይ ሚኒስተር ክእዘዙ ብምጽዋዕ፣ ንውሳኔ እቲ ፕረዚደንት ነጺግዎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ሶማል፣ ብጉዳይ ምምላስ ናይቲ ቅድሚ ስለስተ ዓመታት ዝተታሕዘ ገንዘብ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ተወሳኺ ምስሕሓብ ተጸሚዶም ይርከቡ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0