ኤርትራ፣ ኣብ ዓለም ዝወሓዱ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር ተባሂላ

Radio Erena: 10 January 2022

ኣብ እዋን ለበዳ ኮረና ቫይረስ ፣ ኣብተን ዝማዕበላን ተዛማዲ ዲሞክራስን ሓርነት ዜጋታትን ዘለወን ሃገራት፣ ብዝሒ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ብዝተዓጻጸፈ ከምዝዛየደ ዝተፈላለየ መጽናዕታት ኣረጋጊጹ።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝፈጠሮ ስግኣት፣ ሓያሎ ሃገራት ዜጋታተን ክዕጸዉ ምስ ኣወጃ፣ ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት፣ ስራሕ ኣብ ገዛ ብምዃን ብኢንተርነት፣ ናይ ቪድዮን ድምጺን ማሕበራዊ ርክባት ብኢንተርነት፣ ሸመተ’ውን ብኢንተርነት’ዩ ክካየድ ጸኒሑ።

ንኣብነት፣ Pew Research Center ዝተባህለ ማእከል ብዘዳለዎ መጽናዕቲ መሰረት፣ 90% ኣመሪካውያን ኢንተርነት ኣብ እዋን ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ልዑል ኣገዳስነት ከምዝነበሮ ተኣሚኖም።

እዚ ኣሃዝ’ዚ፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ካናዳን ካልኦት ብቴክኖሎጂ ዝማዕበላን ሓርነት ዜጋታትን ዘለወን ካልኦትን ተመሳሳሊ ምዃኑ ዝተፈላለየ መጽናዕታት የመልክት።

እዚ ምስ ምእዋጅ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝተራእየ ጽዑቕ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት፣ ልምዲ ክይኑ ከይቅጽል እሞ፣ ንማሕበራዊ ርክባት ህዝቢ ብኣሉታ ከይጸሉ ከም ስግኣት’ውን ይልዓል’ዩ።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ገገዝኡ ወይ ብሞባይሉ ልዑል ፍጥነት ዘለዎ ኢንተርነት ክጥቀም ኣብ ዝኽእለሉ እዋን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ቴክኖሎጂን ፍልጠትን፣ ተነጽሎን ዝሕታለን ማሕበራዊ ንጥፈታት ይበዝሕ ምህላዉ ክኢላታት ስነ ኣእምሮ የተሓሳስቡ።

ብኣንጻር እዚ፣ ኣብ እዋን ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ዝነበረን ውሑዱ ተጠቃሚ ኢንተርነት፣ ብዝበኣሰ ዘውሓዳ ሃገራት’ውን ኣለዋ።

ሓንቲ ኣብነት ናይዚኣተን ኤርትራ’ያ።

ኤርትራ፣ ቅድሚ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ዝነበረ ዓመተ 2017፣ ሓፈሻዊ ብዝሒ ተጠቃሚ ኢንተርነት 1.3% ጥራይ ‘ዩ ኔሩ።

እዚ ኣሃዝ እዚ ንኤርትራ፣ ኣብ ዓለም እታ ዝወሓዱ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር ከምዝገብራ ጸብጻብ ባንክ ዓለም የመልክት።

ባንክ ዓለም፣ ዝወሓዱ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት ኢሉ ኣብ ቅድሚት ዝሰርዐን ሃገራት፣ ብቐደም ተኸተል፣ ኤርትራ፣ ሶማል፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ፣ ብሩንዲ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኣፍጋኒስታን፣ ኮሞሮስ፣ ኮንጎ ብራዛቪል፣ ኒጀርን ቻድን’የን።

ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ኣብ ኤርትራ ዕጽዋ ምስ ተኣወጀ፣ እተን ዝርካበን ኢንተርነት ካፌታት’ውን ስለዝተዓጽዋ፣ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ካብ 1.3% ክወርድ ከምዝኽእል ርዱእ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብፍሉይ ሓለፋን፣ ብመንግስቲ ንዝተመርጸ ስራሕን እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ሞባይል ኢንተርነት ናይ ምጥቃም መሰል ዘለዎ ዜጋ የለን።

እቲ ብኢንተርነት ካፌታት ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎታት’ውን ኣብ ርእሲ’ቲ ጽዕቕ ቁጽጽር ዝግበረሉ ምዃኑ፣ ምስዚ ሕጂ ዓለማ በጺሓቶ ዘላ ቅልጣፈ ዘይከይድ፣ ላህማም ዋሕዚ ዝነበሮ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0