ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ክእለዩ ካብ ዝጸንሑ ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ናብ ዓዶም ክፋነዉ ጀሚሮም

Radio Erena: 02 December 2020

ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ክእለዩ ካብ ዝጸንሑ ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ናብ ዓዶም ክፋነዉ ጀሚሮም።

ልዕሊ 100 ዝኾኑ ኣብ ሆስፒታላት ሰንዓፈ፣ ዓዲ ቀይሕ፣ ደቀምሓረ፣ ኣስመራ፣ ግላስን ካልእን ክእለዩ ዝጸንሑ ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ብሰንበት 29 ሕዳር፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፣ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ’ዮም ተፋንዮም።

ምስቶም ናብ ዓዶም ዝተፋነዉ ውጉኣት ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ናይ 10 ዝኸውን ሬሳ’ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ተላኢኹ።

ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ብዝሒ ቁሱላት ገና ኣብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ኤርትራ ይእለዩ ኣለዉ።

ሆስፒታል ሰንዓፈ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኵናት፣ ብዝተወግኡ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ኣዕለቕሊቑ’ዩ ጸኒሑ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0