መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ሶማል ከምዘይሳተፍ ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 02 December 2020

መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ሶማል ከምዘይሳተፍ ኣጠንቂቑ።

ማዕከናት ዜና ሶማል፣ ንፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣሕመድ ማዶበ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ እቲ መጠንቀቕታ ዝቅርብ ዘሎ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኣካል እታ ክልል ኣብ ዝኾነ ዞባ ጌዶ ኣዐስልኪርዎ ዘሎ ሰራዊት ከውጽእ ብምጥላብ’ዩ።

ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት፣ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልል፣ ዝርከቡ ቀቢላታት ብማዕረ ዝውክልዎም ኣባላት ፓርላማ ክመርጹን፣ እቶም ዝተመርጹ ኣባላት ፓርላማ ድማ ፕረዚደንት ክመርጹን ‘ዮም ተሰማሚዖም።

ፕረዚደንት ማዶበ፣ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ንጌዶ ከረክበና እንተኽኢሉ፣ ኣብቲ ምርጫ ክንሳተፍ ድሉዋት ኢና ኢሉ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብወገኑ ምስ ክልል ጁባላንድ ዝዳወብ መንግስቲ ኬንያ ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ብምእታዉ ነቲ ርእሰ ምምሕዳር ኣንጻር መንግስቲ ደው ክብል ይደፋፍኦ ከምዘሎ’ዩ ዝወቅስ።

ሶማል፣ በዚ ጉዳይ እዚ ብዝተሓሓዝ፣ ንኣምባሳደር ኬንያ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ክትሰጎ እንከላ፣ ኣብ ኬንያ ንዝነበረ ኣምባሳደራ ድማ ስሒባቶ’ላ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0