ተዳኺሙ ክብሃል ዝጸንሐ ኣል ሸባብ ንከተማ ባይዶዋ ኣብ ከበባ ከምዘእተዋ ተገሊጹ

Radio Erena: Friday, 21 July 2023

ሰራዊት መንግስቲ ብዘካይዶ ዘሎ ስርሒታት፣ ዝቖጻጸሮ ዝነበረ ከባቢታት ክርሕርሕ ምጽንሑ ዝተነግረሉ ኣልሸባብ፣ ንከተማ ባይዶዋ ኣብ ምሉእ ከበባ ከምዘእተዋ ተገሊጹ።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ነታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማል ዝዓበየት ምዃና እትግለጽ ከተማ ኣብ ከበባ ከምዘእተዋ ዝሕበር ዘሎ፣ መንግስቲ ሶማል ኣብቲ ከባቢ ካልኣይ መድረኽ መጥቃዕቲ ንምክፋት ተበግሶ ድሕሪ ምውሳዱ’ዩ።

ባይዶዋ ካብ ሞቛድሹ ኣስታት 243 ኪሎሜተር ንሰሜናዊ ምዕራብ ርሒቓ እትርከብ፣ ልዕሊ 800 ሽሕ ነበርቲ ዘለዋ ከተማ’ያ።

ኣልሸባብ ነታ ከተማ ኣብ ከበባ ምእታዉ፣ ካብን ናብን ዝኣቱን ናብ ካልኦት ከባባታት እታ ሃገር ዝንቐሳቐስ ሰብ ይኹን ንብረት ብዘይምህላው፣ ነበርታ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝወደቑ መንግስቲ ሶማል ይወቕስ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣልሸባብ ነታ ከተማ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ኣብ ከበባ ከምዘእተዋ ብምርግጋጽ፣ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ንህዝቢ ሓይልዮ ከምዘይብሉ ዘነጽር’ዩ ክብል ኮኒኑ።

ኣልሸባብ፣ ነታ ከተማ ኣብ ከበባ ምእታዉ፣ ንምቑጽጻራ ዝዓለመ ድዩ ወይስ ንኻልእ ወትሃደራዊ መናውራ’ዩ ዛጊት ዝነገመተ ነገር የለን።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0