ኣባላት’ቲ ብመንጎኝነት ኤርትራ ምስ መንግስቲ ሱዳን ስምምዕ ዝገበሩ ምንቕስቓስ ቤጃ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣባላት’ቲ ብመንጎኝነት ኤርትራ ምስ መንግስቲ ሱዳን ስምምዕ ዝገበሩ ምንቕስቓስ ቤጃ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 25 March 2016

beja

ኣባላት’ቲ ብመንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2006 ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝሓበረ ግንባር ምብራቕ ሱዳን ዝኾኑ ተወለድቲ ቤጃ ኣብ ፖርት ሱዳን ናይ ክልተ መዓልታት ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ሬድዮ ዳባንጋ ሓቢራ።

እቶም ኣባላት ናይቲ ብባይቶ ቤጃ ዝፍለጥ ውድብ ምብራቕ ሱዳን፣ ነቲ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ከምዘካየድዎ’ውን እታ ሬድዮ ሓቢራ።

ንሳቶም፣ ነዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ፣ በቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ስምምዕ መንግስትን ግንባር ምብራቕ ሱዳንን፣ ዕጥቖም እኳ እንተውረዱ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ንምጥያሶም ዝተገብረሎም ሓገዝ ብዘይምህላዎ’ዩ።

 

ሓላፊ ናይቲ ውድብ ነበር ሃሩን እድሪስ ምስታ ካብ ሆላንድ እትፍኖ ሬድዮ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ መንግስቲ ነቶም 380 ዝኾኑ ዕጥቖም ዘውረዱ ኣባላት ባይቶ ቤጃ፣ ርእሶም ዝኽእልሉ ናይ ሓገዝ ፕሮጀክት ከዳሉ መብጽዓ ኣትዩሎም ከምዝነበረ ብምዝክኻር፣ እዚ መብጽዓ’ዚ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘይተተግበረ የረድእ።

ብዕጡቓት ራሻይዳን ቤጃን ዝቖመ ግንባር ምብራቕ ሱዳን፣ ብመንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2006 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም፣ ዕጥቑ ብምውራድ ምስ መንግስቲ ሱዳን ከምዝተጸንበረ ኣይርሳዕን።

ይኩን’ምበር፣ ሓያሎ ኣባላት እቲ ግንባር ፣ መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ኣስመራ ዝኸተመሉ ውዕላት ኣየተግበረን ብምባል ዳግም ብረቶም ኣብ ምልዓል ከምዝርከቡ ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኣልበሽር፣ ብልምዓት፣ ትምህርቲ፣ ሕክምናን ካልእ ቁጠባዊ ጽላታትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ንምብራቕ ሱዳን ሃምሽዎ’ዩ ብዝብል፣ ተወልድቲ’ቲ ዞባ ዝኾኑ ቤጃን ራሻይዳን ካልኦት ጉጅለታትን ናይ ሓባር ግንባር ብምፍጣር ኣብ 2004 ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዘለዓዓሉ ይፍለጥ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0