ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ የመን ካብ 10 ሚያዝያ ክትግበር ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ

ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ የመን ካብ 10 ሚያዝያ ክትግበር ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ

Radio Erena: 25 March 2016

Yemn Cease

ኣብ የመን፣ ካብ 10 ሚያዝያ ኣትሒዙ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ክትግበር ምዃኑ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር እስማዒል ዎልድ ሸኽ ኣሕመድ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ኩሎም ኣብ ኵናት የመን ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፣ ካብ ፍርቂ ለይቲ 10 ሚያዝያ ኣትሒዞም ቶዅሲ ደው ከብሉ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።

ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ የመን ኣብ 10 ሚያዝያ ክትግበር ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኩሎም’ቶም ኣብ ኵናት የመን ኢድ ዘለዎም ወገናት፣ ዝሳተፍዎ ሰላም ቅድሚ ምጅማሩ’ዩ።

 

ብመሰረት እቲ ተሰሪዑ ዘሎ መደብ፣ ዘተ ሰላም የመን ኣብ 18 ሚያዝያ ኣብ ኩዌት ክካየድ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሑቲን መንግስቲ የመንን ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ምቁራጽ ተዅሲ ወርሒ ከይመልኣ ከምዝተጣሕሰ ኣይርሳዕን።
======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0