ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ ንምምካት ኣብ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ከቢድ ጸገም ፈጢሩላ ምህላዉ ተሓቢሩ

ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ ንምምካት ኣብ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ከቢድ ጸገም ፈጢሩላ ምህላዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 25 March 2016

foo

ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ ንምምካት ኣብ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ከቢድ ጸገም ፈጢሩላ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ብሉምበርግ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ሓበሬታ፣ 450 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ኣእካል ዝጸዓና 10 ዝኾና መራኽብ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ንምርጋፍ ሪጋ ሒዘን ምህላወን ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ኣህጉራዊ ትካል ድሕነት ንቆልዑ፣ ጆን ግርሃም ካብ ድሬዳዋ፣ ነቲ ማዕከን ዜና ብቴሌፎን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣእካል ዝጸዓና ብዙሓት መራኽብ ተሰሪዐን ምህላወን ኣረጋጊጹ።

 

ንሱ ብተወሳኺ፣ ነተን ናብ ኢትዮጵያ ዝቀንዓ መራክብ ተሓዚኡ ዘሎ ኣብ ወደብ ናይ መራገፊ ቦታ እኹል ከምዘይኮነ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣቕሪብዎ ዘሎ ሓበሬታ፣ ሓንቲ መርከብ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ክሳብ ትራገፍ ጥራይ 40 መዓልታት ትወስድ ኣላ።

ብጠቕላላ እቲ ኣካል ተሸሚቱ ናብ ወደብ ጅቡቲ ክሳብ ዝራገፍ ከኣ 120 መዓልታት ወይ ከኣ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ይወስድ ምህላዉ’ውን እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ድሕነት ቆልዑ ኣብ ዝሃለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ምጥቃሱ ይፍለጥ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ዘድልዮ ህዝቢ ልዕሊ 10 ሚልዮን ምዃኑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ካብ ለገስቲ ዝልኣኽ ረድኤት ይኩን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሽምቶ ኣእካል፣ ብእዋኑ ናብ ተጠቃሚ ንኸይበጽሕ ብዘይካ’ቲ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ጸገም ናይ መጓዓዝያ ብድሆ’ውን ተደሚርዎ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብ ሃገር ይሕብሩ።

ሓላፊ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤትን ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ፣ ኣብ ወደብ ጅቡቲ መዓልታዊ ዝርጋፈ ዘሎ ኣእካል 3000 ቶን ጥርይ ምዃኑ ምስ ብሉምበርግ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ፣ ነቶም ህዙብ ናይ መግቢ ረድኤት ዘድልዮም ዜጋታቱ ኣብ ግዚኡ ንምርድኦም፣ ተወሰኽቲ ናይ ጽዕነት መካይን፣ ግዝያዊ መኻዚኖታትን፣ መዐደሊ ነቑጣታትን ኣዳልዩ ከምዘሎ’ውን ኣቶ ምትኩ ጠቒሱ።

ረዲኤት ናብቲ ዝድለ ንምብጽጻሕ ተደናጉዩ ከምዘሎ ዝሓበረ ሓላፊ ድሕነት ቆልዑ፣ ጆን ግርሃም ግና፣ ቁጽሪ ብዋሕዲ መግቢ ናይ ዝጥቕዑ ሰባት ክንህር ከምዝኻል ኣተሓሳሲቡ።

ብሰንኪ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኽሲቱ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ደርቂ፣ ኣስታት 450 ሽሕ ቆልዑ ብሰንኪ ዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ተጠቒዖም ከምዘለዉ ጸብጻብ ድሕነት ንቆልዑ የመልክት።
============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0