መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ቁጠባ መጥቃዕቲ ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: Wednesday, 02 August 2023

መንግስቲ ሶማል ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምትሕብባር፣ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ቁጠባ መጥቃዕቲ ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ምስ ሓላፊ ምቁጽጻር ፋይናንስን ሽበራን ብራየን ነልሰን፣ ርክብ ድሕሪ ምክያዱ ዝተዋህበ መግለጺ ከምዘነጽሮ፣ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፣ ብቁጠባ ኣዝዩ ደልዲሉ ከምዘሎ የመልክት።

‘ንኣልሸባብ ብቁጠባ ምድኻም ማለት፣ ነቲ ሽበራዊ ጉጅለ ትንፋስ ምኽላእ ማለት’ዩ’ ዝብል ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 250 ናይ ባንክ ሕሳባትን ልዕሊ 70 ናይ ቴሌፎን ምስግጋር ገንዘብ ዝሰርሓ ትካላትን፣ ዓጽዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ፣ ጉጅለ ኣልሸባብ ዓመታዊ ክሳብ 120 ሚልዮን ገንዘብ ይእክብ።

24 ሚልዮን ካብዚ፣ ኣብ ምዕዳግ ኣጽዋር ክውዕል እንከሎ፣ ዝተረፈ ከኣ ንመማዕበሊ መርበባቱን፣ ሽበራዊ መጥቃዕታትን ንምክያድን ይጥቀመሉ።

ኣመሪካዊ ብራየን ነልሰን ብወገኑ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መወልቲ ኣልሸባብን ኣብ ንግዲ ፈሓም ዝተዋፈሩ ኣባላቶም ኣብ ጸሊም መዝገብ ሰፊሮም ምህላዎም ኣመልኪቱ።

ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ክበጽሖ ንዝኸኣለ ዞባታት ሶማል፣ ህዝቢ ግብሪ ክኸፍል ብምስግዳድ፣ ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ኣታዊታት ከምዝገብር ይግለጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0