ሓካይም ብዘይ ዶብ (MSF)፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ምሕጋዝ ደው ከብል ጸዊዑ

RADIO ERENA – Friday, 22 March 2024

ሓካይም ብዘይ ዶብ (MSF)፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባላቱ ሃገራትን ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝህቦ ዝነበረ ገንዘባውን ንዋታውን ደገፍ ደው ከብሎ ጸዊዑ።

ኤምኤስኤፍ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባላቱ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ብሕብረት ኤውሮጳ ዝምወል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ስደተኛታት ክመልሱ ከምዝተዓዘበ ገሊጹ።

ዋላ’ኳ ኤምኤስኤፍ ሓገዝ ንምሃብን ህዝቢ ናብ ውሑስ ቦታ ንምብጻሕን ተበግሶ እንተወሰደ፣ ሰበስልጣን ማልታ ምስ ሓንቲ መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብምውህሃድ ልዕሊ 100 ሰባት ንምዕጋትን ብሓይሊ ናብ ሊብያ ከምዝመለስዎምን እቲ ጉጅለ ረድኤት ገሊጹ።

ንጽባሒቱ ካልእ መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ስርሒታት ህይወት ኣድሕን ኤምኤስኤፍ ብምትዕንቓፍ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ኣብ ሓንቲ ናይ ዕንጨይቲ ጃልባ ኣብ ጭንቀት ዝነበሩ 146 ሰባት ኣብ ሓደጋ ከምዘእተወት ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ኣብ መግለጺኡ “ሕብረት ኤውሮጳን ኣባላት ሃገራትን ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝህብኦ ፋይናንሳውን ንዋታውን ደገፍ ብቕልጡፍ ደው ከብላን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ዝግበር ብግዴታ ኮነ ኢልካ ናብ ሊብያ ናይ ምምላስ መስርሕ ነዳዲ ምሃብ ደው ከብላን ይጽውዕ” ኢሉ።

ወኪል ኤምኤስኤፍ ጁዋን ማቲያስ ጊል“መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዶባቶም ንዝፍጸም ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምሕጋዝ፣ ክሳብ መዓስ ክቕጽሉ እዮም?” ብምባል ሓቲቱ።

“ሕብረት ኤውሮጳን ኣባላቱ ሃገራትን ንኹሉ እቲ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝግበር ደገፍ ብቕልጡፍ ደው ከብሉዎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሓላፍነት ናይተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ግዝኣታት፣ ከም ማልታ ከምኡ ውን ፍሮንቴክስ ማለት ትካል ሓለዋ ዶባትን ባሕርን ኤውሮጳ፣ ኣብቲ ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምምላስ ንድሕሪት፣ ንኸቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተሓባበርቲ ይገብሮም” ኢሉ።

ምክትል ዳይረክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ጁዲት ሳንደርላንድ ኣቐዲማ “ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ውሑስ ኣማራጺታት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ህይወት ናይቶም ምድሓን ዘድልዮም ሰባት ንሓይልታት ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣሕሊፈን ምሃብ ክሳብ ክንደይ ጌጋ ምዃኑ ዘርኢ’ዩ” ኢላ ነይራ።

ሳንደርላንድ ብተወሳኺ “ሕብረት ኤውሮጳ መራኽቡ ኣብቲ ዝበዝሐ ስብርባር መራኽብ ዘጋጥመሉ ናብ ሊብያ ዝቐረበ ኣህጉራዊ ማያት፣ ናይ ምድላይን ምድሓንን ስርሒታት ከምዘካይድ ከረጋግጽ ይግባእ” ክትብል ገሊጻ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0