ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ጋምቤላን ሓንቲ ከተማ ክልል ኣምሓራን ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ

Radio Erena: Friday, 21 July 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ጋምቤላ፣ ሰዓታት እቶ እቶ ከምዝተኣወጀ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ክልል ጋምቤላ፣ ብ19 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ካብ ሰዓት 7 ናይ ምሸት ክሳብ ሰዓት 6 ወጋሕታ፣ ምንቅስቓስ ሰብን ተሽርከርትን ተኸልኪሉ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፣ ትካላት መንግስቲ፣ ኣብያተ ሸቐትን ንግድን ከምኡ ድማ ባንክታት፣ ንቡር ስሐርን ከሰላስላ ‘የን።

ጠንቒ’ዚ ተኣዊጁ ዘሎ ሰዓታት እቶ እቶ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብታ ክልል ተኸሲቱ ብዘሎ ግጭታት ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።

ኣብታ ክልል ኣጋጢሙ ዘሎ ምፍራስ ጸጥታን ቅትለት ሰበ ስልጣን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባትን የጻርዩ ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ መንግስቲ፣ ብዛዕባ ጠንቂታት እቲ ግጭትን ኣብ ሰብን ንብረትን ኣውሪድዎ ዘሎ ዕንወትን ብዝርዝር ኣይሓበረን።

እንተኾነ፣ ኣብታ ክልል፣ ዞባ ኑዌር፣ ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ዓድታት ብዝተጎሃሃረ ግጭታት ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ከምዝኾኑን ዛጊት ብዝሑ ዘይተነጸረ ኣባይቲ’ውን ከምዝተቓጸለን፣ ኣብቲ ከባቢ ንዝተዋፈራ ትካላት ረዲኤት ብምጥቃስ፣ መርበባት ዜና እታ ሃገር ይሕብራ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ሰሜን ሸዋ፣ ኣብ እትርከብ ኣረርቲ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ፣ ካብ 19 ሓምለ ኣትሒዙ ሰዓታት እቶ እቶ ከምዝተኣወጀ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ሰዓት 9 ናይ ምሸት ኣትሒዙ፣ ንምንቅስቓስ ሰባትን መካይንን ዝኣገደን፣ ከም ሆቴላት፣ ኣብያተ መንግብን መስተን ዝኣመሰላ ትካላት ኣገልግሎተን ከቛርጻን ዝተመሓላለፈ ኣዋጅ፣ ጠንቑ ኣይተነጸረን።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ተኣዊጁ ዘሎ ሰዓታት እቶ እቶ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣንጸላልዩ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣትን፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ክልተ ቅንተ ጥራይ ኣርባዕተ ኣዘዝቲ ፖሊስ ምስ ምቕንጻሎምን ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ANKHWOM NKULU ERITREAWIY BZKONE YKUN NEGERAT KEYTALELU BWEYANEN SEABTOMN ETIY FETARIY MEDIBWO ZELO SRHU KITRIWO EKUM. NAMLAK SEMAYN MDRN DMA KETEMESGNWO EKUM . KULU NAY FETARIY EU NAY SEB AYKONEN ETIY SRAH