ኣመሪካ፣ 150 ኣባላት ኣልሸባብ ቀቲለ ትብል

ኣመሪካ፣ 150 ኣባላት ኣልሸባብ ቀቲለ ትብል

Radio Erena: 09 March 2016

Alshebab

ኣመሪካ ኣብ ሶማል ኣብ ዘካየደቶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ብውሕዱ 150 ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝቀተለት ገሊጻ።

ኣልሸባብ፣ 193 ኪሎሜተር ንሰሜን ካብ ሞቛድሾ ርሑቑ ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ራሶ፣ ሓደስቲ ዘሰልተኖም ኣባላት ንምምራቕ ብቀዳም 5 ለካቲት፣ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ፣ ምስጢራዊ ወትሃደራዊ ስርሒት ብምክያድ፣ ጽዑቕ ደብዳብ ከምዘካየዳ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ ኣብ ሊብያን ሶማልን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሽበራውያን ጉጅለታት፣ ናይ ሰብል ኣልቦ ነፈርቲን ነፈርቲ ውግእን ደብዳብ ከተካይድ ምጽንሓ ይፍለጥ።

 

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0