ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብደረጃ ዓለም ይዝከር

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብደረጃ ዓለም ይዝከር

Radio Erena: 08 March 2016

March 8

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ፣ ደቂንስትዮ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ከምዘለወን ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ካልእ ጽላታትን ሕበረትሰብ’ውን ብማዕረ ክሳተፋን እተዘኻኽር ዕለት’ያ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ይኹን ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊአን ዝፍጽሞ ከም ምኽንሻብ ዝኣመሰላ ጎዳኢ ልምድታት፣ ሓደ ካብ ምግሃስ መሰላት ደቂንስትዮ ምዃኑ’ውን ሸሞንተ መጋቢት ተዘኻኽር።

 

እዛ ዕለት ብደረጃ ዓለም ንመበል 102 ዓመት’ያ ትዝከር ዘላ።

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ’ውን፣ ን8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይዝክራኣ ኣለዋ።

መብዛሕተ እዘን ኣብ ስደት ዝነብራ ኤርትራውን ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ምስትኡ ዝተሓሓዝ ኩነታትን ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ከምዘተሓሳሰበን ብምግላጽ፣ ንፍትሕን ለውጥን ክቃለሳ ምዃነን የረጋግጻ።

ኣብ ኤርትራ ኣዝየን ብዙሓት ደቂንስትዮ ብሰንኪ ፖለቲካ፣ እምነትን ካልእ ዝተፈላለየ ምኽንያታትን ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ክስን ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቐያ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0