ስዑዲ ዓረብ ንኤርትራን ጅቡቲን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት’ያ

ስዑዲ ዓረብ ንኤርትራን ጅቡቲን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት’ያ

Radio Erena: 09 March 2016

Dj Sau

ስዑዲ ዓረብ ንኤርትራን ጅቡቲን ኣኣብ ዘዋስን ከባቢታት ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ምዃና ወትሃደራውያን ምንጭታት የመልክቱ።

እታ ሃገር ኣብ ጅቡቲ መዓስከር ንምኽፋት ኣብዚ ቀረባ ምስ መንግስቲ ጅቡቲ ስምምዕ ክትክትም ምዃና ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ድሕያዲን ባማክራማ’ውን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

መራሕቲ ጅቡትን ስዑዲ ዓረብ፣ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክባት፣ ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ከምዝተሰማምዑን፣ ወራስ ዓራትን ሚኒስተር ምክልኻልን ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማ ነቲ መደብ ንምትግባሩ ብሰኑይ 7 መጋቢት ካብ ካቢነ ሚኒስተራት ስዑዲ ዓረብ ደገፍ ከምዝረኸበ ጋልፊ ኒውስ ሓቢሩ።

 

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ’ውን ግዝያዊ ወትህደራዊ መዓስከር ከምዘለወን ይግለጽ እኳ እንተኾነ፣ መነግስቲ ኤርትራ ግና ንወደብ ዓሰብ ኣብ ሊጂስቲካዊ መሳለጥያታት ይግልገላሉ ምህላወን ጥራይ’ዩ ኣረጋጊጹ።

ብስዑዲ ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ኣብ ንዘካይዶ ዘሎ ወትሃደራዊ ስርሒታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከባ ሃገራት፣ ግብጺ፣ ሱዳን፣ ኤርትራን ጅቡትን ደገፍ ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ብፍላይ ጅቡትን ሱዳንን ንስዑዲ ንዘለወን ደገፍ ንምርግጋጽ ምስታ ንተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን ትድግፍ’ያ እትብሃል ኢራን ዝነበረን ዝምድና ምሉእ ብምሉእ በቲኸን ይርከባ።

ኣምሳያ ናይቲ ንስዑዲ ዘበርክታላ ዘለዋ ወትሃደራዊ፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያዊን ደገፍ ከኣ፣ ቢልዮናት ዶላራ ሐገዝ ይግብብበረለን ኣሎ።

ኤርትራ ግና ኣምሳያ ናይቲ ንሶኡዲን ኢማራት ዓረብን ብ ወደብ ዓሰብ እትህቦ ዘላ ኣገልግሎት ሎጂስቲካዊ መሳለጥያታት ዝኾነ ነገር ከምዘይረከበተ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ምግላጹ ይዝርከር።

ኣብ ስትራቴጅያዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ጅቡትን ኤርትራን ኣብ 2008 ድሕሪ ዘካየድኦ ኵናት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ምስህሓብ ይርከባ።

እንተኾነ ምስዚ ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዝተሓሓዝ፣ ሃገራት ዓረብ ነቲ ናይ ኤርትራን ጅቡትን ኩነታት ንምፍታሕ ተደጋጋሚ ጻዕርታት የካይዳ ምህላወን’ዩ ዝንገር።

እቲ ብመንጎኝነት ቀጠር ዝተጀመረ ተበግሶ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክዕወት ዘይክኣለሉ ምኽንያት ከኣ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ምሕባር ስለዝሓንደገ ምዃኑ መንግስቲ እታ ሃገር ይወቕስ።

ፕረዚደንት እስማዑል ዑመር ጉለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣሚር ቀጠር ሸሕ ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ ኣብ ዝገብሮ ርክብ’ውን፣ መንግስቲ ኤርትራ ሀላዋት ምሩዃት ኵናት ጅቡትትቲ ከየፍለጠ፣ ምስቲ መንግስቲ ቀጥታዊ ዝርርብ ከምዘየካይድ ምግላጹ ዲፕሎማስውያን ምንጭታት ካብ ዶሓ ምጥቃሶም ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ሃለዋት ምሩኳት ኵናት ጅቡቲ ይኹን ብጅቡቲ ተማሪኾም ናይ ዘለዎ ኣባላት ሰራዊቱ ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ሂቡ ኣይፈልጥን።
======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0