ኣመሪካ፣ ፈጣን ሓይልታት ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ደው ከብል ጸዊዓ

Radio Erena: Friday,20 October 2023

ብጀነራል ሓምዳን ዶጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ኣብ ደቡብ ዳርፉርን ኦምዱርማንን ደብዳብ ከምዘሐየለ ዝገልጽ ጸብጻባት ኣሜሪካ ኣዝዩ ከምዘሻቐላ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማቲው ሚለር ገሊጹ።

ኣሜሪካ ፈጣን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ከባቢታት ደብዳብ ብህጹጽ ደው ከብልን ንሰላማውያን ሰባት ክከላኸልን ጸዊዓ።

ሱዳን፣ ኣብ እዋን ስርዓት በሺር፣ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ትሕቲ በይናዊ እገዳ ኣመሪካ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፣ እታ ሃገር ብሰንኪ ንከቢድ ቁጠባዊ፣ ወትሃደራውያን ፖለቲካውን ብድሆታት ተቓሊዓ’ያ።

ኣመሪካ፣ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት በሺር’ውን እንተኾነ፣ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ኣብ ልዕሊ ሱዳን ክትክተሎ ዝጸንሐት ፖሊሲታት ከምዘይትቕይር ትእንፍት።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0