ሱዳን፣ ቁጽሪ ብጥሜት ዝሞቱ ይውስኽ

Radio Erena: Friday,20 October 2023

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲን ብጀነራል ሓምዳን ዶጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታትን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት፣ ቁጽሪ ብጥሜት ዝሞታ ስድራቤታት ከም ዝወሰኸ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ዩኒሴፍ ብምትሕብባር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ መሰረት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ሓቢሩ።

ቁጽሪ ናይ ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት 9000 ክበጽሕ ከሎ ቁጽሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ድማ 7100 000 ከም ዝበጽሐ ተሓቢሩ።

ኣስታት 700 ሽሕ ህጻናት ብሕዱር ሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ከምዘለዉን፣ ካልኦት 100 ሽሕ ህጻናት ድማ ብኻልእ ጸገማት ዝተጋደደ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝሳቐዩን፣ ህይወቶም ንምድሓን ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ከምዘድልዮምን እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣስታት 42 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ሱዳን ልዑል ደረጃ ውሕስነት መግቢ ከምዘድልዮም፣ ብፍላይ ድማ ነበርቲ ርእሰ ከተማ ዳርፉር፡ ሰሜን ኮርዶፋንን ምዕራብ ኮርዶፋንን ኣብ ዝበኣሰ ኩነታት ከም ዝርከብ ይፍለጥ።

ብመሰረት ጸብጻብ ናይ ሎሚ ዓመት ብዝሒ ህዝቢ ሱዳን ኣስታት 48 ሚልዮን ይበጽሕ።

ኩናት ሱዳን ደው ንምባል ብፍላይ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ውጽኢት ኣይተረኽቦን፣ ዝነበረ ተስፋታት’ውን እናተጸንቀቐ ይመጽእ ኣሎ።

ሰራዊት ሱዳን ናውቲ ሕክምና ናብታ ከተማ ከይኣቱ ድሕሪ ምዕጋቱ፡ ሓካይም ብዘይዶብ፡ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ህይወት ኣድሕን መጥባሕቲ ደው ኣቢሉ።

እቲ ግብረ ሰናይ ትካል ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝነበሮ መድሃኒትን ንዋትን ከም ዝወድአን፡ እቲ ጉጅለ ድሕሪ ደጊም መጥባሕቲ ክገብር ከምዘይክእልን ገሊጹ።

ሓካይም ብዘይዶብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ዕንወትን ቅልውላውን ሱዳን ኣብ ኩናት ተጸሚዶም ዘለዉ ዘይሓላፍነታውያን ጀነራላት ዘኸተልዎ’ኳ እንተኾነ ማሕበረሰ ዓለም ክከላኸሎ ዘይምኽኣሉ ግን ውድቀት ሰብኣውነት ምኳኑ ይገልጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0