ሽልማት ሳካሮቭ ንናጽነት ኣተሓሳስባ፣ ንማህሳ ኣሚኒ ተዓዲሉ

Radio Erena: Friday,20 October 2023

ሕብረት ኤውሮጳ ዓመታዊ ሽልማት ሳካሮቭ ንናጽነት ኣተሓሳስባ፣ ነታ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝሞተት ኢራናዊት ጓል ኣንስተይቲ ማህሳ ኣሚኒን ኣብ ኢራን ንዝነበረ ምንቅስቓስ “ጓል ኣንስተይቲ፣ ህይወት፣ ናጽነት” ከምዝሸለመ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ።

“ብ16 መስከረም ኣብ ኢራን ጂና ማህሳ ኣሚኒ ካብ ትቕተል ሓደ ዓመት ኣኽቢርና። ሕብረት ኤውሮጳ ምስቶም ኣብ ኢራን ንማዕርነትን ክብርን ናጽነትን ዝቃለሱ ተባዓት ብኹርዓት ደው ይብል” ክትብል ፕረዚደንት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ሮበርታ መትሶላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ።

ኣብ ምዕራባዊት ግዝኣት ኢራን ኩርዲስታን ዝተወልደት ጓል 22 ዓመት ኣሚኒ፡ ነቲ ግዴታዊ ኣከዳድና እስላማዊት ሪፓብሊክ ብምጥሓሳ ድሕሪ ምእሳራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከላ ሞይታ።

ስድራ ኣሚኒ ኣብ ርእሳን ኣካላታን ብዝተፈጸመ ጽፍዒት ከምዝተቐትለት ክገልጹ እንከለዉ፣ ፖሊስ ግን ብሰንኪ ዝጸንሓ ጥዕናዊ ጸገማት ከምዝሞተት ገሊጾም።

ድሕሪ ሞት ማህሳ ኣሚኒ ኣብ ኢራን ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተቓውሞታት ኣስዒቡ፡ እዚ ድማ ናብ ገለ ካብቲ ድሕሪ 1979 እስላማዊ ሰውራ ዝነበረ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ዕግርግር ተሰጋጊሩ።

ኣብ ትሕቲ “ጓል ኣንስተይቲ፡ ህይወት፡ ናጽነት” ዝብል ጭርሖታት፣ ዜጋታት ኢራን፣ ደቂ ኣንስትዮ ጸጉረን ክሽፈናን ሒጃብ ክኽደናን ዝግድድ ሕግታት ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0