ኣመሪካ፣ ኣብ ገበን ዝተታሕዘ ኤርትራዊ ኣብ ዝርዝር ምክትታል ግብረሽበራውያን ጸኒሑ

RADIO ERENA – Wednesday, 27 March 2024

ኣብ ሰሜን ካሮላይና ድሕሪ ዘጋጠመ ተኹሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ሓደ ክሱስ ኣብ ዝርዝር ምክትታል ግብረሽበራውያን ከምዝተረኽበ ጸብጻብ ኣኽበርቲ ጸጥታ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ (ICE) ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ውን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክነብር ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣኽበርቲ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ (ICE) ወዲ 32 ዓመት ዓወት ሓጎስ ኤርትራዊ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ሓጎስ ኣብ ሃይቲ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣሜሪካ ከምዝኣተወን ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሰሜን ካሮላይና ከምዝነበረን ሓለፍቲ ኢሚግሬሽን ገሊጾም።

ሰበስልጣን ኣሰር ኣጻብዕቲ ሓጎስ ድሕሪ ምውሳዶም፣ ኣብ ዝርዝር ምክትታል ግብረሽበራውያን ከምዝረኸብዎ ሓቢሮም።

ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ካሮላይና ካውንቲ ጌትስ፡ መጀመርያ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ኲክ ስቶፕ ናይ መከላኸሊ ምልውዋጥ ተኹሲ ምስተኻየደ ብዛዕባ ሓጎስ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖም ገሊጹ።

ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፣ ብ11 መጋቢት ኣስታት ሰዓት 6፡40 ድሕሪ ቀትሪ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ምስ ግዝኣት ሰሜን ካሮላይና ኮይኖም፣ ንሓጎስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትውዎ እኳ እንተፈተኑ ብዘርኣዮ ሓያል ምክልኻል ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ቃልሲ ከምዝገበሩ ገሊጾም።

ሓጎስ ኣብ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ብሰለስተ ገበናት ማለት መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ፣ ንሓደ መንግስታዊ ሓላፊ ምቅዋም ከምኡ ድማ ሕቡእ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ብምሓዝ ተኸሲሱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣውራጃ ኣልበማርለ ተወሲዱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0