ስዑዲ ዓረብ ኣደ መንበር መድረኽ ጾታዊ ማዕርነት ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ተረቚሓ

RADIO ERENA – Wednesday, 27 March 2024

ምክትል ዳይረክተር ጎስጓስ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሸሪን ታድሮስ “ኮሚሽን ኩነታት ደቂንስትዮ መሰላተንን ጾታዊ ማዕርነትን ንምድንፋዕ ንጹር ስልጣን ኣለዎ፣ ኣቦ መንበር ናይቲ ኮሚሽን ድማ ነዚ ክሕሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስዑዲ ዓረብ ኣብ ምግሃስ መሰላት ደቂንስትዮ ዘለዋ ክብረወሰን፣ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ደቂንስትዮን ዝነብረኦ ዘለዋ ክውንነትን ባህጊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራትን ዘሎ ሰፊሕ ጋግ የስምረሉ” ክትብል ገሊጻ ።

ንሳ ብተወሳኺ “እቲ ብሰበስልጣን ናብ ምዕባለን ማዕርነትን ዝወስድ ስጉምቲ ምዃኑ ዝንኣድ ናይ 2022ውሽጣዊ ሕጊ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ስድራቤት፣ ካብ ሓዳር ክሳብ ፍትሕ፣ ምእላይ ቆልዑን ውርሻን ጾታ መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ሱር ዝሰደደ ኮይኑ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ`ዩ” ትብል።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ደቂንስትዮ ስደት የጋጥመን፣ ፍሉጣት ተጣበቕቲ መሰላት ደቂንስትዮ ድማ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ተነፊግወ እገዳ መገሻን ካልእ ገደባትን ተገይሩለን ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ንመሰላት ደቂንስትዮ ዝድግፍ ጽሑፋት ኣብ ትዊተር ዝጸሓፋ ደቂንስትዮ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ካብ ዝሰነዶ ዝነውሐ ናይ ማእሰርቲ እዋናት ማለት ን45 ዓመትን 27 ዓመትን ዝበጽሕ ፍርዲ ተፈሪድወን።

ማናሄል ኣል-ኦታይቢ ኣብዚ እዋን’ዚ ንመሰል ደቂንስትዮ ንምድጋፍ ትዊተር ማለት ኤክስ ብምጽሓፍን ዓባያ ከይተኸድነት ኣብ ስናፕቻት ስእሊ ብምልጣፋን ጥራይ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ይጽበያ ከም ዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይገልጻ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ዓመት ንፈለማ እዋን ተወዳዳሪት ወይዘሪት ዩኒቨርስ ክትህልዋ ምዃና ተፈሊጡ።

ሞዴል ሩሚ ኣልቃህታኒ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፣ ኣብ2024ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር ንንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወኪላ ክትሳተፍያ።

ኣብ ኣብ ዓለም ፋሽንን ሞዴሊንግን ሓዳስ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ፣ ብዝተገብረ ከፊላዊ ጽገናታት ሕጊ ኣብታ ንግስነት ምርኢታት ፋሽንን ካልእ ዓይነት መዘናግዕን ሓሓሊፍካ ከም ዝርአ ይፍለጥ።

ዝዓበየ ዓመታዊ ምትእኽኻብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ንጾታዊ ማዕርነትን ምሕያል ደቂንስትዮን ዝኾነ መበል 68 ዓመታዊ ኮሚሽን ኩነታት ደቂንስትዮ (CSW68)፣ ሎሚ ዓመት ካብ 11 – 22 መጋቢት ኣብ ትሕቲ “ምቅልጣፍ ምዕዋት ጾታዊ ማዕርነትን ምሕያል ኩለን ደቂንስትዮ ድኽነት ብምፍታሕ ከምኡ ውን ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ግምት ዘእተወ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንትካላት ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ተኻይዱ።

ብደረጃ ዓለም 10.3 ሚእታዊት ደቂንስትዮ ኣብ ከቢድ ድኽነት ይነብራ።

እዚ ኣሃዝ ምስ ደቂተባዕትዮ ብምንጽጻር ክርአ እንከሎ ዝለዓለ`ዩ።

ካብ 48 ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝተረኽበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፣ ድኽነትን ጥሜትን ንምውጋድ ዝግበር ተበግሶ ሓዊስካ ዓለማዊ ዕላማታት ጾታዊ ማዕርነትን ምሕያል ደቂንስትዮን ንምዕዋት ኣብ ዓመት ተወሳኺ 360 ቢልዮን ዶላር የድሊ።

ብመሰረት ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ንጾታዊ ማዕርነትን ምሕያል ደቂንስትዮን፣ ድኽነት ደቂንስትዮ ንምውጋድ ዝሕግዙ መፍትሒታት፣ ኣብ ፖሊሲታትን መደባትን ወፍሪ ምግባርን ንጾታዊ ዘይምዕሩይነት ዝምልከት ኣፍልጦ ምዕባይን መንግስታት ንትምህርትን ደሞዝን ዝምልከት ማዕረ ዕድላት ምፍጣር ዝብሉ ነጥብታት ይርከብዎም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0