ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንእትርከብ ከተማ ኤላት ናይ እስራኤል ከምዘጥቅዐ ገሊጹ

RADIO ERENA – Thursday, 28 March 2024

ሑቲ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታትት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንእትርከብ፣ ከተማ ኤላት ናይ እስራኤል ከምዘጥቅዐ ገሊጹ።

ኣፈኛ ናይቲ ኣንሳር ኣላህብዝብል ወግዓዊ ስም ዝፍለጥ ሑቲ ናይ የመን፣ ያሕያ ሰሪዕ፣ ብ26 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ናብታ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል እትርከብ ከተማ ኤላት፣ ናይ ባለስቲክ ሚሳይላትን ድሮናትን ደብዳብ ከምዘካየዱ ሓቢሩ።

እስራኤል፣ ብዛዕባቲ ብሑቲ ከምዝተፈነወላ ዝተሓበረ መጥቃዕቲ፣ ናይ እወታ ይኹን ናይ ኣሉታ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ሑቲ ናብ እስራኤል ዝወንጨፎ ሚሳይላት፣ ስርዓተ ምክልኻልን ጸረሚሳይላትን እታ ሃገር ፈንጢሱ ክኣቱ ምኽኣሉ መርበባት ዜና ክጠቕሳ ቀንየን።

ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ፣ ኣናዱሉ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብወገኑ፣ ሑቲ ኣብዝን ዝሓለፋ መዓልታት፣ ብቀይሕ ባሕሪ ይመላለሳ ንዝነበራ፣ ናይ ኣመሪካን ብሪጣንያን ምዃነን ዝጠቐሰን ሽዱሽተ መራኽብ ከምዘጥቅዐ ኣመልኪቱ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0