ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ 13 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝቐተለት ገሊጻ

Radio Erena: Tuesday, 29 August 2023

ኣመሪካ፣ ብጻውዒት መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ብውሕዱ 13 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝቐተለት ገሊጻ።

ኣብቲ ብ28 ነሓሰ፣ ኣብ ደቡባዊ ሶማል ዝተኻየደ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ብዛዕባ ዝበጽሐ ጉድኣት ኣይተጠቕሰን።

ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ሶማል ደብዳብ ዘካይዳ ዘለዋ፣ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ማእከላይ ዞባ እታ ሃገር ንዝርከብ መዓስከር ኣልሸባብ ድሕሪ ምቁጽጻሩ’ዩ።

እቲ ሰራዊት፣ ኣብ ዞባ ታሕታይ ሸበሌን ካልእ ክፋል እቲ ዞባታትን ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ መጥቃዕታት ኣብ ምክያድ’ዩ ዝርከብ።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣልሸባብ ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ንምጽራግ ዝዓለመ ካልኣይ መድረኽን ወሳንን መጥቃዕቲ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፣ ደገፍ ኣመሪካን ጎረባብቲ ሃገራትን ይሓትት ኣሎ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0