ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዘተ ኣጠቓቕማ ናይል ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ጀሚሩ

Radio Erena: Tuesday, 29 August 2023
ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዘተ ኣጠቓቕማ ናይል ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን፣ ዳግም ኣብ ከተማ ካይሮ ከምዝጀመረ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ድሒሩ ድማ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ግጭታት፣ ተሰናኺሉ ዝጸንሐ ስሩዕ ዘተ እዘን ሃገራት ዳግም ከምዝጀመረ ዝሕበር ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ድሕሪ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ምዃኑ ‘የን እተን መርበባት ጠቒሰን።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን ኣብ ልዕሊ ግብጽን ሱዳንን ፈጢርዎ ዘሎ ሻቕሎትን ብስምምዕ መዕለቢ ክግበረሉ ከምዘለዎ ሚኒስተር ሕርሻ ግብጺ፣ ሃኒ ሳዊላም ምስ ምጅማር እቲ ዘተ ገሊጹ።
ስሉሳዊ ዘተ እዘን ሃገራት ዳግም ከምዝጀመረ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ናብ ግብጺን፣ ስዑዲ ዓረብን ዘካየዶ ምስጢራውን ሓጺርን ዑደት ዛዚሙ ናብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝተመልሰሉ ዕለት’ዩ ክብላ ጋዜጣታት እቲ ዞባ ኣመልኪተን።
ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ፣ ኣብ ምዝዛም ከምዝተቓረበን ደረጃ ብደረጃ ምምላእ ማይ ተካይድ ምህላዋን ኣብ ዘፍለጠትሉ ኣጋጣሚታት፣ ብፍላይ ንግብጺ ከቢድ ስግኣት ኣሕዲሩላ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዘሎ ጽቡቕ ክራማት፣ ናብቲ ዲጋ ራብዓይ ዙርያ ምምላእ ማይ ክትጅምር ምዃና ይግለጽ።
ኣብዚ ክረምቲ፣ ዲጋ ተሃድሶ ኣስታት 11 ሚልዮን ሜትር ኵዩብ ማይ ንምዕቛር ተወጢኑ ከምዘሎ መርበባት ዜና ኢትዮጵያ ይእምታ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0