መራሒ ሰራዊት ሱዳን፣ ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ናብ ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ክበጽሕ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: Monday, 28 August 2023

ኣቦ መንበር ልኡኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኵናት ካብ ዝጽመድ፣ ንመጀመርያ እዋኑ ካብ ካተማ ካርቱም ወጺኡ ናብ ፖርት ሱዳን ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ጀነራል፣ ብ27 ነሓሰ ናብ ፖርት ሱዳን ድሕሪ ምእታው፣ ኣብ ሱዳን ጽልዋ ምስ ዘለዎም መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ንምዝርራን፣ ዞባዊ ዑደት ከካይድ ተኽእሎ ከምዘሎ እተን መርበባት ኣሚተን።

ንሱ፣ ዞባዊ ዑደቱ ብግብጺ ፈሊሙ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ክበጽሕ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ጀነራል፣ ብዘይካ’ቲ ምስ መራሕቲ እዘን ሃገራት ዘካይዶ ኣብ መርገጽን ደገፍን ዘተኮረ ዘተ ዲፕሎማስያዊ ዘተ፣ ኣብ ሱዳን ናይ ስልጣን ሃጓፍ ተፈጢሩ ምህላዉ ክግለጽ ንዝጸንሐ ጸብጻባት ንምፍሻል ዘንቀደ ምዃኑ ተንተንቶ የረድኡ።

ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሑ ፈጣን ሓይልታት፣ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ዓስኪርሉ ንዝጸንሐ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ወትሃደራዊ ማእከል ከቢብዎ ከምዘሎ’ዩ ክጥቀስ ጸኒሑ።

ኣብ ከበባ ኣትዩ ከምዘሎ ክጥቀስ ዝጸንሐ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ብ24 ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ምስ ህዝቢ ተሳኢሉ ብምዝርጋሕ፣ ኣብ ስልጣኑ ምህላውን ቤት ጽሕፈቱ ኣቐዲሙ ሓቢሩ’ዩ።

ራብዓይ ወርሑ ኣሕሊፉ ዘሎ ኵናት ወትሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፣ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍታሕ ዛጊት ዝተኻየደ ጻዕርታት ኣይተዓወተን።

ብፍላይ’ቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ሪያድ ዝካየድ ዘሎ ካልእይ ወርሑ ዝተቓረበ ዘተ፣ ኣብ ግብሪ ዘይወዓሉ ስምምዓት ግዝያዊ ምቑራጽ ቶዅሲ እንተዘይኮይኑ፣ ዛጊት ዝበጽሐ ፖለቲካዊ መደምደምታ የለን።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0