ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘንበረቶ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሓቶ

Radio Erena: 14 September 2022

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ምስ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘንበሮ እገዳ፣ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሕዎ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት፣ ንጸጥታን ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣመሪካን ስግኣት ዝፈጥር ምዃኑ ምምሕዳር ባይደን ብ9 መስከረም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣነጺሩ’ዩ።

እብ እርሲ’ዚ እቲ ኩነታት፣ ንጸጥታ፣ ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝዘርግ’ዩ ክብል መግለጺ እቲ ፕረዚደንት ጠቒሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ናብ ዘተ ክቐርቡ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት ክባጻሕን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእን ኣመሪካ ክትደፍኣሉ ጸኒሓ’ያ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓድሽ ኵናት ድሕሪ ምውልዑ፣ ፍሉይ ሉኣኻ ናብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዘዋፈረት ኣመሪካ፣ ክልቲኦም ወገናት እባ ጂቡቲ ክዝትዩ’ውን ኣገዲዳ ኣላ።

ምምሕዳር ባይደን፣ ኣናዊሕዎ ዘሎ እገዳ፣ ምእጋድ ቪዛን ምድስካል ውልቃቂ ሃብትን ንብረትን ናይቶም ኣብዚ ኵናት ዝልዓለ ጽልዋ ኣለዎም ዝበሎም ሰበ ስልጣንን ክልቲኤን ሃገራትን ትካላትን ዘጠቓለለ’ዩ።

ኣመሪካ፣ ብዘይካ’ቲ ናብ ሰበ ስልጣን ዘነጻጸር እገዳ፣ ንኢትዮጵያ ዓመታዊ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዝፈጥረላ ካብ ዝነበረ ውዕል ኣጎዋ’ውን ሰሪዛታ ‘ያ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲን ህወሓትን ምቁራጽ ቶዅሲ ክኽትሙን ናብ ዘተ ንሰላም ክቐራረቡን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሓያሎ ድፍኢት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብ13 መስከረም፣ ኣብ መቐለ ናይ ሰብ ኣልቦ በረርቲ ወይ ድሮን ደብዳብ ምክያዱ ሰብ ስልጣን ትግራይ ወቒሶም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0