ግብጺ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝቖመ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ባሕርያ ክትመርሕ’ያ

Radio Erena: 14 September 2022

ግብጺ፣ መሪሕነት ናይቲ 153 ሃገራት ንዝሓቖፈ ሓባራዊ ዕማም ሓይሊ ባሕሪ ካብ ኣመሪካ ክትርከቦ’ያ።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ባብ ኤል መንደብ ንዘጋጥም መጥቃዕታት መራኽብ ንምግታእ፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝቖመ’ዩ።

ነዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብኣመሪካ ክምራሕ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ግብጺ ክትርከቦ ምዃና ዝግለጽ ዘሎ።

ነቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ንምትግባር፣ ጠቕላሊ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ጀነራል ሚካኤል ኩሪላ፣ ብ12 መስከረም ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ካይሮ ተራኺቡ።

እዚ ምስ ኩነታት የመንን ሶማልን ተተሓሒዙ ዝቖመ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም፣ ብዘይካ ንኤርትራ ንኩለን’ተን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ዝሓቖፈ’ዩ።

ኣብ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ በብእዋኑ ካብ ዝካየድ ምሕዝነታዊ ይኹን ካልእ ተልእኾ ዘለዎ ዞባውን ኣህጉራዉን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምዳት ተሳቲፉ ኣይፈልጥን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0