ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ዘየካይድ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቝጺሩ

Radio Erena: 12 September 2022

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ዘየካይድ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቝጺሩ።

እቲ ካቢነ፣ ኣብ 28 መስከረም 2018፣ ኣብ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባና ኣኼባ ከምዘካየደ ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ካብ ዝተነግረሉ ዕለት ንደሓር፣ ዛጊት ንኣርባዕተ ዓመታት ብወግዒ ኣይተኣከበን።

ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሓደ ሰብ ኣብ ዝተባሕተ ስርዓተ ምምሕዳር ህግደፍ፣ ባይቶ ይኹን ወከልቲ ህዝቢ ካብ ዘይእከብ’ውን 21 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።

ዋላ’ውን እቲ ስልጣን ብሒዝቱ ምህላዉ ዝንገረሉ ህግደፍ እንተኾነ፣ ንልዕሊ 24 ዓመታት ኣኼባ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኣየካየድን።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ጽልዋታት ኮረና ቫይረስ ኣብ ቁጠባ፣ ስእነት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምረት መነባብሮን ዝኣመሰሉ ህዝቢ ኤርትራ ብቀጻሊ ዘልዕሎ ሕቶታትን ሻቕሎታትን ብዝምልከት ክዝቲን መፍትሒ ከናዲ ዝግብኦን ካቢነ ሚኒስተራት ንባዕሉ ደሃይ ምጥፍኡ፣ ኣብ ኣስመራ ብዙሓት ዝቕልድሉ ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ጠቒሶም።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ኣብ 9 ግንቦት 2020፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፣ ኣብ ኣስመራ ኣዳራሽ ደንደን ንህዝቢ ዘይተሓበረ ኣኼባ ከምዘካየደ ኣብቲ እዋን’ቲ ተገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

እቲ ካቢነ፣ ኩሎም ኣባላቱ ዘይተረኽብሉ፣ ብሕቱው ርክባት ምስ ፕረዚደንት ሳሕቲ ከምዘካይድ ዝገለጹ እቶም ወገናት፣ ብምልኣት ወግዓዊ ኣኼባ ካብ ዘይካየድ ግና ራብዓይ ዓመቱ ረጊጹ ምህላዉ ኣተሓሳሲቦም።

ህዝቢ፣ ካብ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ዝጽበዮ ነገር እኳ እንተዘየለ፣ እቲ ንስሙ’ውን ይኹን ብስሩዕ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባታት ምትራፉ፣ ንዕቐት እቲ ንኤርትር ን31 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘጉልሕ ምዃኖም እቶም ወገናት ኣገንዚቦም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0