ኣመሪካ፣ ኣቛሪጻቶ ዝጸንሐት ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ናይ እኽሊ ረዲኤት ክትቅጽሎ ‘ያ

Radio Erena: Tuesday, 21 November 2023

ኣመሪካ፣ ኣቛሪጻቶ ዝጸንሐት ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ናይ እኽሊ ረዲኤት ክትቕጽሉ ምውሳና፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣቶ ደመቐ መኮነን ገሊጹ።

ንሱ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቲ ናይ እኽሊ ረዲኤት ክቐላጠፍ ዘለዎ ድሌት ኣስሚርሉ።

120 ሚልዮን ካብ ዝግመት ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ እቲ 16% ወይ ኣስታት 20 ሚልዮን ተጸባይ ረዲኤት ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ኣስታት 4 ሚልዮን ካብዚ ድማ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ዘድልዮን ንሓደጋ ጥሜት ዝተቓልዐን’ዩ።

እቲ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ፣ ብሰንኪ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያን ደርቂን ካብ መነባብርኡ ዝተመዛበለን ዝኾነ መዓልታዊ እቶት ዘይብሉን’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ኣመሪካ ብመንገዲ መንግስታዊ ትካል ረዲኤት – USAIDን ውድብ መግቢ ዓለምን ናብ ኢትዮጵያ እትህቦ ዝነበረት ረዲኤት፣ ብሰንኪ ምጥፍፋእን ብልሽውናን ናብቲ ዝግብኦ ህዝቢ ኣይበጽሕን ኣሎ ብዝብል ምኽንያት ደው ኣቢላቶ’ያ ጸኒሓ።

ብሰንኩ ድማ ኣማኢት ሰባት ብሰንኪ ጥሜት ከምዝሞቱ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ትካላት ይወቕሱ።

ኣመሪካ፣ ነቲ ንኣስታት መንፈቕ ኣቛሪጻቶ ዝጸንሐት ረዲኤት ዝመጽእ ዘሎ ውርሒ ብስሩዕ ዳግም ክትጅምሮን፣ ምሉእ ምቑጽጻር እናገበረትሉ ድማ ንኣስታት ሓደ ዓመት ክቕጽል ምዃኑን’ያ ሓቢራ።

ንዕዳጋ ዓለም፣ ንሰደድ ዝበቅዕ ምህርቲ ስርናይ ተፈሪ ከምዘላ እትገልጽ ኢትዮጵያ፣ ገዛእ ህዝባ ንምቕላብ፣ ዓመታዊ ልዕሊ 700 ሽሕ ቶን ናይ እኽሊ ረዲኤት ከምእትጽበ ጸብጻባት የረድኡ።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0