ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ናይ ምሁራን ዓውደ መጽናዕቲ ተኻይዱ

Radio Erena: Tuesday, 21 November 2023

ኢትዮጵያ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብሓያል ናህሪ ዝድፍኣሉ ዘሎ፣ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ዛዕባ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተኻይዱ።

እቲ፣ ‘ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ወደብን ነባሪ ሰላምን ልምዓትን ንቀርኒ ኣፍሪቃን’ ተሰምዩ ብ19 ሕዳር፣ ኣብ ኣዳራሽ ቀጽሪ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ፣ ብክኢላታትን ምሁራትን ዝተፈላለየ ኣርእስታት ናብ ዘተን ክትዓትን’ዩ ኣቕሪቡ።

ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዘተኮሩ ዋዕላታት ይኹን ናይ ጸጥታ ስምምዓት ትግለለሉ ዘላ ምኽንያታት ብምዝርዛር፣ ንመጻኢ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣጋጣሚታት ንኽትዕደም ክውሰዱ ዝግብኦም ስጉምታት ተዘትይሉ።

እቶም ተጋባእቲ፣ ብወገን ኢትዮጵያ ዝቀርብ ዘሎ ጉዳይ መሰል ኣፍደገ ባሕሪን ኣጠቓቕማ ወደብን፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝህብዎ መግለጺታት፣ ንጎረባብቲ ሃገራት ብዘየስግእ መልክዑ፣ ጥንቁቕን ብመጽናዕቲ ዝተሰነየን ክኸውን ኣተሓሳሲቦም።

ኢትዮጵያ መሰል ኣፍደገ ባሕሪ ከምዘለዋ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ክደጋገም እኳ እንተጸንሐ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝወሃብ ዘሎ ንምትዅታኽ ዝዕድም መደረታት ግና ብጎረባብቲ ሃገራት፣ ብፍላይ ድማ ብኤርትራውያን ብዓይኒ ስግኣት’ዩ ክርአ ጀሚሩ።

ኢትዮጵያ፣ ንሕቶ መሰል ኣፍደገ ባሕሪ፣ ብሕጋውን ሰለማውይን መንገዲ ከተተግብሮ ከምዘለዋ ዝመኸሩ እቶም ተጋባእቲ፣ ነዚ ንምትግባር ውሽጣዊ ሓድነት ክህሉ ከምዝግባእ ኣስሚሮምሉ።

መንግስታውያን ይኹና ካልኦት ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ብወገነን፣ ኣብ ጉዳይ መሰል ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብምትኳር ቶኽታዅ መደባት ኣብ ምዝርጋሕ ተጸሚደን ይርከባ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሞውሪሸየስ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዋዕላ ሚኒስተራት ኣብ ድሕነትን ጸጥታን ባሕርያ፣ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ እዋና ተሳቲፋ።

ኣብቲ ኣብ ኣብ ውሑስ ኣጠቓቕማ ባሕሪ ምዕራባዊ ህንዳዊ ውቅያኖስ ብምትኳር፣ ብ16 ሕዳር ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ካብ ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ኬንያን ታንዛንያን ከምኡ ድማ ኣአንጋዲት ሃገር ሞውሪሽየስን ተሳቲፈን።

ካብ ኩለን ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፋ ሃገራት፣ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ እንኮ ሃገር ኢትዮጵያ ጥራይ’ያ።

ስእሊ፦ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0