ርዋንዳ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ 169 ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሊብያ ተቐቢላ

Radio Erena: Tuesday, 21 November 2023

ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ 169 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ከምዝገዓዙ ተሓቢሩ።

እቶም ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሊብያ ተበጊሶም፣ ኣብ ርዋንዳ፣ ከባቢ ጋሾራ ናብ ዝርከብ ግዝያዊ መጽንሒ ከምዝተሰጋገሩ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት – IOM ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋሮም፣ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ 2019 ስምምዕ ካብ ዝብጻሕ፣ እዚ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ምግዓዝ ንመበል 15 ግዜኡ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ’ውን 64 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 134 ሓተቲ ዑቕባ ብተመሳሳሊ መስርሕ ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ተሰጋጊሮም ‘ዮም።

ዛጊት ኣስታት ክልተ ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ክግዕዙ እንከለዉ፣ እቶም 1300 ካብኣቶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ምጥያስ ዕድል ከምዝረኸቡ ጸብጻብ UNHCR የመልክት።
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0