ሶማል፣ 54 ወትሃደራት ኡጋንዳ ተቐቲሎም

Radio Erena: Tuesday, 06 June 2023

ኣብ ሶማል፣ ኣልሸባብ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ 54 ወትሃደራት ኡጋንዳ ከምዝተቐትሉ ፕረዚደንት ዮዌሪ ሙሴቨኒ ኣረጋጊጹ።

ዕጡቓት ኣልሸባብ፣ ኣብ ዞባ ታሕታይ ሸቤሌ፣ ሰራዊት ኡጋንዳ ዓስኪርሉ ዝርከብ፣ ቡለማረ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ብ26 ግንቦት ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ክሳራታት ከምዘውረዱ እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ እኳ እንተሓበረ፣ ብዝሒ ናይ ዝተቐትሉ ወትሃደራት ከይጠቐሰ’ዩ ጸኒሑ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ፕረዚደንት፣ ነቲ ብልዕሊ 200 ወትሃደራት ኡጋንዳ ዝሕሎ፣ ካብ ከተማ ሞቛዲሹ ኣስታት130 ኪሎሜተር ንደቡባዊ ምዕራብ ርሒቑ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ 800 ዕጡቓት ኣልሸባበ’ዮም ኣጥቂዖሞ።

ኡጋንዳ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊታ ዝወረደ ከቢድ ክሳራ፣ ነቲ ኩነታት ንምግምጋም፣ ብኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ፣ ልዩተናት ጀነራል፣ ካያንጃ ሙሃጋ ዝምራሕ፣ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ወኪል ናብ ሞቛድሾ ‘ያ ልኢኻ።

ብዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካ ብእትርከበን ሃገራትን ዝድገፍ ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ፣ ንኣልሸባብ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ክጸራርጎ ክኢሉ’ዩ።
እንተኾነ፣ ኣልሸባብ፣ ኣወዳድባን ስልቲን ብምቕያር፣ ኣብ ልዕሊ ዝመረጾም ዒላማታት መጥቃዕታቱ ካብ ምክያድ ዛጊት ክግታእ ኣይከኣለን።

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት፣ ኣሽሓት ወትሃደራት እተሰልጥን ዘላ ሶማል፣ ኣብ 2024 ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ካብ 2006 ኣትሒዙ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ፣ ኣስታት 30 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመጽእ ዓመት ተልእኾኡ ዛዚሙ ክወጽእ ምዃኑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ሶማል ነቲ ብዝሒ’ቲ ንምትካእ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ግብጺን ካልኦት ሃገራትን ተመስሳሊ ብዝሒ ወትሃደራት ኣብ ምስልጣን ትርከብ።
====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0