ኣመሪካን ጂቡቲን ዘለወን ወትሃደራዊ ምትእስሳር ንምዕባይ ዝዓለመ ርክብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልቲኦም ወገናት ተኻይዱ

Radio Erena: Thursday, 23 August 2023

ብኣማኻሪት ጸሓፊ ምክልኻልን ወጻኢ ዝምድናታትን፣ ማራ ኤሊዛቤት ካርሊም ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ተመያይጡ።

እታ ኣማኻሪት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዘካየደቶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ እዚ ኣፍሪቃን’ውን ከምዝተዘራረበት፣ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ- ፔንታጎን ብ21 ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ጠቒሱ።

ዕላማ ዑደት ናይታ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን፣ ኣመሪካን ጂቡቲን ዘለወን ወትሃደራዊ ምትእስሳር ንምዕባይ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።

ንሳ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ገለ ዝገበረቶ ዝርርብ፣ ምትሕብባር ኣመሪካን ጂቡቲን ኣብ ጸጥታን ርግኣትን እቲ ዞባ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፣ ሎይድ ኦስቲን’ውን፣ ኣብ 14 ነሓሰ፣ ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ዝገብሮ ናይ ቴሌፎን ምይይጥ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘትዮም።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ፣ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ለሞንየ፣ ልዕሊ 5 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ኣመሪካ፣ ነዚ ዝሓለፈ 16 ዓመታት ብቀዋምነት ዓስኪሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ’ዚ ንፍሉይ ስርሒታት በብእዋኑ፣ ንገማግም ባሕሪ፣ ኣየርን መሬትን ጂቡቲ ከምእትጥቀመሉ ጸብጻብ ሚሊታሪ ኢንተሊጀንስ ይሕብር።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0